YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 4

4
1ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦ 2“ካብ ማእኸል ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ፤ 3‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን፥ ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
4ሽዑ ኢያሱ ኻብ ደቂ እስራኤል፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ነቶም ሓርይዎም ዝነበረ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ፀውዖም። 5ኢያሱውን በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ሕለፉ፤ ብቝፅሪ ነገድ እስራኤል ከዓ፥ ሓድሓደ እምኒ ኣብ ማእገሩ ይሸከም። 6እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ብዝመፅእ ጊዜ ‘ናይዝ ኣእማን እዙይ ነገር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንትጥይቑኹም፥ 7ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም።
8ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝበሎ ድማ ብቝፅሪ ነገዳት እስራኤል ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዒሎም ናብቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ወሰዱ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣንበርዎም። 9ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ዝቖሙላ ቦታ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቖመ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
10እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ። 11ኵሉ እቲ ህዝቢ መሊኡ ምስ ተሳገረ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄርን ካህናትን፥ እቲ ህዝቢ እናረአዮም ተሳገሩ። 12ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። 13ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ዝኾኑ ኣፅዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኽዋግኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሳገሩ።
14በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ። 15-16እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነቶም ታቦት ምስክር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ክወፁ ኣዝዞም” በሎ።
17ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ውፁ ኢሉ ኣዘዞም።
18እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ወፂኦም፥ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፃ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ ኸም ቀደሙ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ወሓዘ።
19እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ። 20ኢያሱ ድማ ነቶም ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብ ጌልገላ ኣቖሞም። 21ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥ 22‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’ 23እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። 24እዙይውን ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ ኢልኩም ንገርዎም።”

Currently Selected:

ኢያሱ 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in