ኢያሱ 23
23
ኢያሱ ንደቂ እስራኤል ከም ዝመዓዶም
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥ 2ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ንዓበይቶምን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ብዕድመውን ሸምጊለ እየ፤ 3እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም። 4ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ #23፡4 ዓብዪ ባሕሪ፦ ሕዚ “ባሕሪ ሜዲትራንያን” ይበሃል። ብወገን ምዕራብ ፀሓይ፥ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕፃ ኸፈልኩልኩም። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።
6“ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ። 7ምስዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶም ኣይትተሓወሱ፤ ስም ኣማልኽቶም ኣይትፀውዑ፤ ብኣማልኽቶም ኣይትምሓሉ፤ ንኣማልኽቶም ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎምውን። 8ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅንዑ።
9“እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን። 10እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ። #ዘዳ. 3፡22፥ 32፡30። 11ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።
12“እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥ 13ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።
14“እንሆ ኸዓ፥ ኣነ ሎሚ መንገዲ ኵላ ምድሪ ኣኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን። 15ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ። 16ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።”
Currently Selected:
ኢያሱ 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: