YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 22

22
ኢያሱ ነቶም ኣብ ምብራቕ ዝሰፈሩ ነገድ ከም ዘፋነወ
1ሽዑ ኢያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀዊዑ፥ 2“ንስኻትኩም እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኵሉ ሓሊኹም ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም እውን ጌርኩም ኢኹም። #ዘሑ. 32፡1-8። 3ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም። 4ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ። 5ግና እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍተውዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ኺዱ፤ ትእዛዛቱ ድማ ፈፅሙ፤ ናብኡውን ቕረቡ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ከዓ ኣምልኽዎ” በሎም።
6ሽዑ ኢያሱ መሪቑ ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ዓዶም ተመለሱ። 7ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ኢያሱ ነቲ ፍርቂ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። ኢያሱ ናብ ዓዶም ክሰዶም እንተሎ መረቖም፤ 8“ምስ ብዙሕ ሃብቲ፥ ምስ ብዙሕ እንስሳ፥ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ነሃስን ምስ ሓፂንን፥ ምስ ብዙሕ ኽዳውንትን ናብ ኣባይትኹም ተመለሱ፤ ነቲ ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ” እውን በሎም።
9ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ። 10ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ። 11እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ። 12ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ።
13ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ። 14ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹመኛታት ለኣኹ፤ ንሳቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ዝተዋፅኡ፥ ኣሕሉቕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነገዳት ደቂ እስራኤል ነበሩ።
15ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ 16ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም። #ዘዳ. 12፡12-16። 17ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን። #ዘሑ. 25፡1-9። 18ሕዝኸ ኻብ እግዚኣብሄር ዲኹም ትርሕቑ ዘለኹም?
ሎሚ ንእግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኸዲዕኹምዎ፥ ፅባሕ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክቝጥዖ እዩ። 19እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ። 20ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን። #ኢያሱ 7፡1-26።
21ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ነቶም ዝተረፉ ኣእላፋት ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል መሊሶም ከምዙይ በልዎም፦ 22“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና። 23ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።”
24-25ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ።
26በዙይ ከዓ ኢና “መሰውኢ ንንደቕ፤ ግና ንዝቃፀል መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕሩድን ኣይኹን” ዝተበሃሃልና። 27ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና። 28ስለዙይ “ንመፃኢ ንኣና ወይ ንውሉድ ወለዶና ‘ግደ የብልኩምን’ እንተ በሉና ‘ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ዝመስል መሰውኢ ርአዩ፤ ንሱ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኮነን፤ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ደኣ ምስክር እዩ’ ክንብሎም ኢና በልና።
29“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”
30ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ። 31ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።
32ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም። 33እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን። 34ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ኢሎም ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ።

Currently Selected:

ኢያሱ 22: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in