YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 20

20
ከተማታት ዕቝባ
1እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2-3ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተናገሮም፦ እቲ እንተይፈለጠን እንተይፈተወን ሰብ ዝቐተለ፥ እቲ ቐታሊ ናብኣተን ክሃድም እሞ ኻብ ፈዳዪ ደም መዕቘቢ ክኾናኹም፥ እተን ብሙሴ ኣቢለ ዝኣዘዝኩኹም መዕቘቢ ኸተማታት ፍለይወን።
4እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ። 5ቅድም ኢሉ ፅልኢ እንተይነበሮ እንተይፈለጠ ንብፃዩ ስለ ዝቐተሎ፥ እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰዓቦ፥ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ። 6ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውምን፥ እቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውትን ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብታ ገዲፍዋ ዝሃደመ ኸተማኡ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ይእቶ በሎ።
7ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ። 8ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ። 9እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን። #ዘሑ. 35፡9-34፥ ዘዳ. 4፡41-43፥ 19፡1፥ 1፡13።

Currently Selected:

ኢያሱ 20: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in