YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 21

21
ከተማታት ሌዋውያን
1ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ። 2ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም። #ዘሑ. 35፡1-8። 3ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።
4ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም። 5ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።
6ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
7ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም።
8ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም።
9ስም እተን ካብ ምድሪ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ንሌዋውያን ዝተውሃባ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦ 10(ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ዓሌታት ቀዓታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፥ ቀዳማይ ዕፃ ስለ ዝበፅሖም፥ እተን ከተማታት ንኣኣቶም ተውሃባ።)
11ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣን ሃብዎም፤ እዝ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ። 12ገራሁ እታ ኸተማን ቍሸታታን ግና ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ርስቲ ክኾናኦ ተውሂበን ነበራ።
13ስለዙይ ንደቂ ኻህን ኣሮን እታ ሰብ ንዝቐተለ መዕቘቢ እትኸውን ከተማ ኬብሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሊብና ምስ መዋፈሪኣ፥ 14የቲር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኤሽትሞዓ ምስ መዋፈሪኣ፥ 15ሖሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳቤር ምስ መዋፈሪኣ፥ 16ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።
17ካብ ነገድ ብንያም ድማ ገባዖን ምስ መዋፈሪኣ፥ ናሲብ ምስ መዋፈሪኣ፥ 18ኣናቶት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓልሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 19ድምር እተን ንኻህናት ደቂ ኣሮን ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪአን ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።
20ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ሌዋውያን፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም ብዕፃ ዝበፅሓኦም ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
21ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ሴኬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥ 22ቂብፃይም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሖሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ሃብዎም።
23ካብ ነገድ ዳን ከዓ ኤልትቄ ምስ መዋፈሪኣ፥ ጊብቶን ምስ መዋፈሪኣ፥ 24ኤሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ጋትሪሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
25ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ታዕናክ ምስ መዋፈሪኣን፥ ጌት ሪሞን ምስ መዋፈሪኣን፥ ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
26ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን።
27እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ። 28ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥ 29ያርሙት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዔንጋኒም ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 30ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ሚሽኣል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ 31ሔልቃት ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 32ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ።
33ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን።
34እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥ 35ዲሞና ምስ መዋፈሪኣ፥ ነህላል ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 36ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥ 37ቅዴሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ሜፌዓት ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 38ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥ 39ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ። 40ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን።
41እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን። 42ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን።
43እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ። 44እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን። 45ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።

Currently Selected:

ኢያሱ 21: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in