ኢያሱ 16
16
ርስቲ ምናሴን ኤፍሬምን
1እቲ ንደቂ ዮሴፍ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ድማ ኻብ ዮርዳኖስ ጥቓ ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቑ ንማይ ኢያሪኮ፥ ካብ ኢያሪኮ ድማ በቲ ናብ ደጕዓ ቤቴል ዘድይብ ምድረ በዳ ወፀ። 2ካብ ቤቴል ናብ ሎዛ ወፂኡ ኸዓ፥ ብወሰን ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሓልፍ። 3ብምዕራብ ከዓ ናብ ወሰን ያፍለጣውያን ክሳዕ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዝርን ይወርድ፤ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ #16፡3 ዓብዪ ባሕሪ፦ ሕዚ “ባሕሪ ሜዲትራንያን” ይበሃል። ድማ ይበፅሕ። 4ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ።
5ወሰን ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ፦ ወሰን ርስቶም ብምብራቕ ኣጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕለዋይ ቤትሖሮን እዩ። 6እቲ ወሰን ብወገን ምዕራብ ከዓ ንሰሜን ሚክምታት ይበፅሕ፤ እቲ ወሰን ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ተኣናትሴሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ኢያኖክ ይሓልፍ። 7ካብ ኢያኖክ ኸዓ ናብ ዓጣሮትን ናብ ንዓራትን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ። 8ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ። 9ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።
10ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ። #መሳ. 1፡29።
Currently Selected:
ኢያሱ 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in