ኢዮብ 6
6
ንስቓይ ዝፈልጣ እቲ ዝሳቐ እዩ
1ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ወዮ፥ ትካዘይ እንተ ዝምዘን፥
ኵሉ መከራይውን ኣብ ሚዛን እንተ ዝምዘን!
3ካብ ሑፃ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፤
ስለዙይ ቃለይ ምግታእ እስእን ኣለኹ።
4ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥
ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤
ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤
ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”
5“ንምዃኑ ኣድጊ በረኻዶ፥
ሳዕሪ እንተለዎ ይሃልል እዩ?
ብዕራይከ፥ ሓሰር እንተለዎዶ እምባሕ ይብል እዩ?
6መቐረት ዘይብሉ ብልዒ ብዘይ ጨውዶ ይብላዕ እዩ?
ማይ እንቍላሊሕኸ ጣዕሚዶ ኣለዎ እዩ?
7ሰብነተይ ክትነኽኦ እምቢ በለቶ፤
ከም ዘፀይፍ ብልዒ ኾነኒ።”
8“ኣየ፥ ኣበይሞ ፀሎተይ እንተ ዝስማዕ!
እግዚኣብሄር ዝምነዮ እንተ ዝህበኒ!
9ኣበይሞ እግዚኣብሄር ፍቓዱ ኾይኑ እንተ ዝሰባብረኒ!
ኢዱ ዘርጊሑ ኸዓ እንተ ዘጥፍአኒ!
10ንቓል እቲ ቕዱስ ኣይከሓድኩዎን እሞ፥
ምተፀናናዕኹ ነይረ፤
ስቓይ እኳ እንተ በርትዐኒ ታሕጓስ ምገበርኩ ነይረ።
11ክፅመምስ ሓይለይ እንታይ እዩ?
ንኽዕገስከ መወዳእታይ እንታይ እዩ?
12ሓይለይዶ ሓይሊ እምኒ እዩ?
ስጋይከ ከም ነሃስ ድዩ?
13ብሓቂ ረድኤት ኣባይ ከም ዘየለ፥
ኵሉ ጥበብውን ካባይ ከም ዝተባረረዶ ኣይኮነን?
14እቲ ንብፃዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፥
ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ።
15ኣሕዋተይ ግና ኸምቲ ዝነፅፍ ሩባታትን፥
ከም ዝሓልፍ ውሕጅን ጠለምቲ ኾኑኒ።
16እቶም ሩባታት ብዝሓቅቕ በረድ ይፅልሙ፤
ብዝሓቅቕ ኣስሓይታውን ይመልኡ።
17ፀሓይ ምስ በርትዐት ይነቕፁ፤
ሃሩር ምስ በርትዐ፥ ካብ ስፍራኦም ይጠፍኡ።
18ብወሰኖም ዝኸዱ ነጋዶ ድሕር ይብሉ፤
ናብ ምድረ በዳ ወፂኦም ከዓ ይጠፍኡ።
19ናይ ቴማን ነጋዶ ናብኡ የማዕድዉ፤
ናይ ሳባ ሓለፍቲ መንገዲውን ንኡኡ ተስፋ ይገብሩ።
20ብኣኣቶም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሓፈሩ፤
ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም።
21ሕዚ እውን ንስኻትኩም ከምኡ ፍረ ዘይብልኩም ኢኹም፤
መከራይ ርኢኹም ፈራሕኹም።
22ብሓቂ ኣነዶ ‘ዝኾነ ነገር ኣምፅኡለይ፥
ወይ ካብ ሃብትኹም ውህብቶ’ ኣቕርቡለይ?
23ወይ ‘ካብ ኢድ ፀላእየይ ኣናግፉኒ፤
ወይ ካብ ኢድ መጨነቒ ኣድሕኑኒዶ’ ኢለኩም እየ?”
24“መሃሩኒ እሞ ኣነውን ስቕ ክብል እየ፤
እቲ ዝተጋጌኽዎ ድማ ኣፍልጡኒ።
25ቃል ቅንዕና ኸመይ ሓያል እዩ፤
ምጕትኩም ግና እንታይ ይግስፅ?
26ተስፋ ናይ ዝቘረፀ ሰብ ዘረባ ኸም ንፋስ እዩሞ፥
ንቓለይ ክትግስፁዶ ትሓስቡ ኣለኹም?
27ኣብ ልዕሊ ደኽታም ዕፃ ትዋደቑ፤
ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም።
28በይዛኻትኩም ሕዚ እውን ናባይ ተመልከቱ፤
ኣብ ቅድሜኹም ሓሰት ኣይዛረብን እየ።
29በይዛኻትኩም ተመለሱ ደኣ፥ በደል ኣይኹን፤
ፅድቀይ በዝ ነገር እዙይ እዩሞ ሓደ ጊዜ ተመለሱ።
30ብሓቂ ኣብ ኣንደበተይዶ በደል ይርከብ?
ኣፈይከ ተንዀል ክፈሊዶ ኣይኽእልን እዩ?”
Currently Selected:
ኢዮብ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in