ኢዮብ 4
4
ቀዳማይ ዝርርብ
(4፡1—14፡22)
ኣብ እግዚኣብሄር ምእማን
1ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ኢዮብ ሓደ ሰብ ምሳኻ ኽናገር እንተ ፈተነዶ ትቕየም ኢኻ?
ዘረባኡ ኻብ ምዝራብ ዝዓግትከ መን እዩ?
3እንሆ፥ ንስኻ ንብዙሓት ሰባት ትምህር ነበርካ፤
ንዝደኸማ ኣእዳው ከዓ ተበርትዕ ነበርካ።
4ቃልካ ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ይድግፎም ነበረ፤
ንስኻውን ረይረይ ንዝብሉ ኣብራኽ ተፅንዕ ነበርካ።
5ሕዚ ግና ኣብ ልዕሌኻ መፀ፤ ንስኻውን ደኸምካ፤
ኣባኻ በፅሐ፤ ንስኻውን ተሸገርካ።
6ንእግዚኣብሄር ምፍራሕኻ፥ ምፅንናዕካ፥
መንገዲ ቕንዕናኻውን ተስፋኻዶ ኣይኮነን?”
7“በይዛኻ ኣስተውዕል፥ ንፁህ እንተሎ ዝጠፍአ፤
ልቡ ቅኑዕ ኾይኑ ድማ ዝተደምሰሰ መንዩ?
8ኣነ ኸም ዝረአኹዎ፦
እቶም ሓጢኣት ዝሓርሱ፥
መከራውን ዝዘርኡ፥
ንእኡ እዮም ዝዓፅዱ።
9ንሳቶም ብእስትንፋስ እግዚኣብሄር ይጠፍኡ፤
ብመንፈስ ቍጥዓኡውን ይድምሰሱ።
10ምጕዛም ኣንበሳ፥ ድምፂ እቲ ጓዛሚ ኣንበሳ፥
ኣስናን ደቦል ኣንበሳ ተሰባበረ።
11ኣረጊት ኣንበሳ ሃደን ስኢኑ ይመውት፤
ኰራዅር እታ ዋዕሮ ኸዓ ፋሕ ይብሉ።”
12“ንኣይ ግና ብሕቡእ ቃል መፀኒ፤
እዝነይ ድማ ነቲ ሕሽዅሹኽ ሰምዐት።
13 #
ኢዮብ 33፡15። ብሕልሚ ለይቲ ሓሳብ እንትለዓል፥
ዝኸበደ ድቃስውን ኣብ ልዕሊ ሰባት እንትወድቕ፥
14ንዅሉ ኣዕፅምተይ ዘናወፁ፥
ድንጋፀን ምንቅጥቃጥን ወደቑኒ።
15መንፈስውን ብቕድመይ ሓለፈ፤
ፀጕሪ ስጋይ ቆመ።
16ንሱ ቖመ፤ መልክዑ ግና ኣየለለኽዎን፤
ምስሊ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ነበረ፤
ህድኣት ኮነ፤ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።
17ብሓቂ ሰብዶ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቕ ክኸውን፥
ወይ ከዓ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ኽነፅህዶ ይኽእል እዩ?
18እንሆ፥ ንኣገልገልቱ እኳ ኣይተኣማመኖምን፤
ንመላእኽቱውን ስንፍና ይኸሶም።
19እምበኣርከስ እቶም ኣብ ጭቃ ቤት ዝነብሩ፥
መሰረቶምውን ኣብ ውሽጢ ሓመድ ዝኾነ፥
ከም ሓሰኻ እውን ዝጭፍለቑ ኸመይ ይኾኑ!
20ኣብ መንጎ ጊሓትን ምሸትን ይሰባበሩ፤
ማንም እንተይሓሰቦ ንዘለኣለም ይጠፍኡ።
21እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፤
ብዘይ ጥበብ ከዓ ይሞቱ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in