ኢዮብ 37
37
1“ስለዙይውን ልበይ ኣንቀጥቀጠ፤
ኣብ ስፍራኡ ኸዓ ተወሳወሰ።
2ነቲ ምህማም ድምፂ ስምዑ፤
ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዘሎ ነጐድጓድ ስምዑ።
3ንእኡ ናብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ፥
ንብርሃኑውን ካብ ሓደ ወሰን፥ ናብቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይሰዶ።
4ብድሕሪኡ ድምፂ ይጓዝም፤
ብድምፂ ግርማኡውን የንጐድጕድ፤
ድምፂ ምስ ተሰምዐ ንመብረቕ ኣይኽልክሎን።
5ኣምላኽ ብዘደንቕ ኵነታት ብድምፁ የንጐድጕድ፤
ንሕና ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገራት ድማ ይገብር።
6ንበረድን ዝናምን ንብርቱዕ ፀፍዕን
ናብ ምድሪ ኽወርዱ ይእዝዞም።
7ኵሎም ሰባት ተግባሩ ምእንቲ ኽፈልጡ፥
ንኢድ ወዲ ሰብ ይሓትሞ።
8ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትዉ፤
ኣብ በብዓቶም ድማ ይቕመጡ።
9ኣውሎ ንፋስ ካብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፤
ዛሕሊ ድማ ኻብ ሰሜን ይወፅእ።
10ካብ እስትንፋስ እግዚኣብሄር ኣስሓይታ ተውሂቡ፤
ስፍሓት ማያት ከዓ ይፀብብ።
11ንደመናታት ማይ ይፅዕኖም፤
ንናይ መብረቕ ደመናታትውን ይብትኖም።
12እዚኣቶም ነቲ ዅሉ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ፥
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገፅ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፥
ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ።
13እግዚኣብሄር ንመቕፃዕቲ፥
ወይ ንምድሪ፥ ወይ ንምሕረት የውርዶም።”
14“እምበኣርከስ፥ ኦ ኢዮብ! ነዙይ ስማዕ፤
ቁም፤ ንተኣምራት እግዚኣብሄርውን ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።
15ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኸም ዝእዝዞም፥
እቲ ናይ ደመና ብርሃን ከመይ ከም ዘብርህ ፈሊጥካ ዲኻ?
16ነቲ ምድልዳል ደበና፥
ወይ ናይቲ ፍልጠቱ ፍፁም ዝኾነ ዘደንቕ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ?
17ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ፀጥ ምስ በለት፥
ክዳውንትኻ ዝሞቐካ ኣታ ንስኻ፥ ተስተውዕሎ ዲኻ!
18ነቶም ከም ዝመኸኸ መስትያት ንዝኾኑ ሰማያት፥
ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ?
19ንሕና ኻብ ፀልማት ዝተልዓለ፥
ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፥
እንብሎ ንስኻ ኣፍልጠና።
20ዝኾነ ብዛዕባኡ እንተ ተናገረ ፈፂሙ ይወሓጥ እዩሞ፤
ኣነ ኽናገር እንተ ዝደሊ፥ ሰብዶ ይነግሮ እዩ?”
21“ሕዚ ድማ ንፋስ ሓሊፉ ምስ ኣፅረዮም፥
ሰብ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘብርህ ብርሃን ክጥምቶ ኣይኽእልን።
22ወርቂ ዝመስል ብርሃን ብወገን ሰሜን ይወፅእ፤
ኣምላኽ ከዓ ብዘፍርሕ ግርማኡ ተኸቢቡ ኣሎ።
23ነቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፤
ንሱ ብሓይሊ ብፍርዲ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፤
ንሓደኳ ኣይጭቁንን።
24ሰባትውን በዙይ እዮም ዝፈርሕዎ፤
ነቶም ብልቦም ብልህታት ኢና ዝብሉ ኸዓ፥
ንሱ ኣየቕልበሎምን እዩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 37: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in