YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 3

3
ኢዮብ መዓልቲ ልደቱ ኸም ዝረገመ
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ኣፉ ኸፊቱ፥ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ። 2ከምዙይ ድማ በለ፦
3“እታ ኣነ ዝተወለድኩላ መዓልትን፥
እታ ወዲ ተጠኒሱላ እተብሃለትላ ለይትን ትጥፋእ።
4እታ መዓልቲ እቲኣ ፀልማት ትኹን፤
እግዚኣብሄርውን ካብ ላዕሊ ኣይመልከታ፤
ብርሃን ድማ ኣብኣ ኣይብራህ።
5ፀልማትን ድነ ሞትን ገንዘቦም ይግበርዋ፤
ደመናውን የጐልብባ፤
እቲ ንመዓልቲ ዘፀልምት ድማ የደንግፃ።
6ነታ ለይቲ እቲኣ ፀልማት ይዓፍና፤
ምስተን ናይ ዓመት መዓልቲታት ኣይትተሓሰብ፤
ኣብ ቍፅሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።
7እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፤
ዕልልታውን ኣይእተዋ።
8እቶም ንመዓልቲ ዝረግሙ፥
ንሌዋታን ድማ ኸንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ።
9-10ንሳ ነቲ ማዕፆ ማህፀን ወላዲተይ ስለ ዘይዓፀወቶ፥
ነቲ መከራ ድማ ኻብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፥
ናይ ወጋሕታ ኸዋኽብታ ይፀልምቱ፤
ናይ ወጋሕታ ጩራ ኣይሃልዋ፤
ናይ ወጋሕታ ቕርንብ ዓይኒ ኸቶ ኣይትርአ።”
11“ኣብ ማህፀን እኖይ እንተለኹ ስለ ምንታይ ዘይሞትኩ?
ወይ ካብኡ ወፂአስ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ዘይጠፋእኹ?
12ስለ ምንታይከ ኣብራኽ ተቐበሉኒ?
ስለ ምንታይከ ጡብ ጠበኹ?
13ሕዚ ደቂሰ ስቕ ምበልኩ ነይረ፤
ተታኺሰውን ምዓረፍኩ ነይረ።
14ምስቶም ነገስታትን ገዛእቲ ምድርን፥
ምስቶም ዓንዩ ዘሎ ኣዳራሻት ዘህነፁን፥
15ምስቶም ገዛውቶም ብብዙሕ ወርቂ ዝደለቡን፥
ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንትን፥ መዕረፍኩ ነይረ።
16ወይ ከም ዝተቐበረ ቝላዕ፥
ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ህፃን ምኾንኩ ነይረ!
17ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤
እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
18ኣብኡ እሱራት ብሓባር ኣዕሪፎም ኣለዉ፤
ድምፂ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኣይሰምዑን።
19ኣብኡስ ንእሽተይን ዓቢይን ሓደ እዮም፤
ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወፂኡ እዩ።” #ኤር. 20፡14-18።
20“ብመከራ ንዘለዉ ብርሃን፥
ነፍሶም መራር ንዝኾነቶም፥
21 # ራእይ 9፡6። ዝተሓብአ ሃብቲ ኻብ ዝዅዕቱ ንላዕሊ፥
ንሞት ዝሕልዉዎሞ ንዘይረኽብዎ፥
22ንመቓብር ምስ ረኸቡ ብዕልልታ ደስ ዝብሎም፥
ሓሴትውን ንዝገብሩ፥
ህይወት ንምንታይ ተውሃበ?
23ነቲ መንገዱ ዝተሰወሮ፥
ነቲ እግዚኣብሄርውን ብሓፁር ዝሓፀሮ ሰብ
ስለ ምንታይ እዩ ብርሃን ዝተውሃቦ?
24ቅድሚ እንጀራይ ብኽያተይ መፂኡ እዩሞ፥
ገዓረይውን ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።
25እቲ ዝፈራሕኽዎ ነገር መፂኡኒ፤
እቲ ዝደንገፅኵሉውን በፂሑኒ እዩ።
26ሃዲአ ኣይተቐመጥኩን፤ ኣይተኣማመንኩን፤
ኣይዓረፍኩን ግና መከራ መፀኒ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in