ኢዮብ 2
2
ሰይጣን ንኢዮብ መሊሱ ኸም ዝፈተኖ
1ኮነ ኸዓ፥ ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ መፂኡ፤ ኣብ ማእኸሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆመ። 2እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ።
ሰይጣን ከዓ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ” ኢሉ መለሰሉ።
3ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ንኢዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ከምኡ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ካብ ክፉእ ዝረሓቐን፥ ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን። ንስኻ ብዘይ ምኽንያት ክተጥፍኦ ኽፈቕደልካ ለመንካኒ፥ ንሱ ግና ኸም ቀደሙ ፍፁም ኮይኑ ይነብር ኣሎ” በሎ።
4ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ። 5እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ኣዕፅምቱን ስጋኡን ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
6እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ንሱ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ግና ህይወቱ ኸይትነክእ ተጠንቀቕ” በሎ።
7ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ። 8ኢዮብ ድማ ዝሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።
9ሽዑ ሰበይቱ “ገናዶ ኸም ቀደምካ ፍፁም ኴንካ ትነብር ኣለኻ? ንእግዚኣብሄር ፅረፍሞ ሙት” በለቶ።
10ንሱ ግና “ንስኺ ኸም ኣዘራርባ ሰነፍ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብ እግዚኣብሄር ሰናይ ነገር ካብ ተቐበልና፥ ነቲ መከራኸ ኽንቅበልዶ ኣይግብአናን እዩ?” በላ። ኢዮብ በዝ ዅሉ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብኸንፈሩ ኣይበደለን።
ፈተውቲ ኢዮብ ኽበፅሕዎ ኸም ዝመፁ
11ኤሊፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ዝበሃሉ ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ፥ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ምስኡ ኽሓዝኑን ከፀናንዕዎን ንኺድ ተበሃሂሎም ከካብ ዓዶም መፁ። 12ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ። 13ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ምስኡ ቐነዩ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረአዩ ድማ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።
Currently Selected:
ኢዮብ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: