ኢዮብ 21
21
ቅኑዕ ይዕወት እዩ
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2እስኪ ሓንሳዕ ቓለይ ስምዑ፤
እዙይውን ምፅንናዕኹም ይኹን።
3ክናገር ሕደጉኒ፤
ምስተናገርኩ ኣባጭዉ።
4ብሓቂ ቝዘማ ሓዘነይ ንሰብ ድየ ዝነግሮ?
ትዕግስቲ ምስኣንከ ኣይግብአንንዶ?
5ናባይ ተመልከቱ፤ ተገረሙውን፤
ኣእዳውኩምውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ።
6ኣነ ብዝሓሰብኩ ቝፅሪ እጭነቕ፤
ንስጋይውን ፃዕሪ ይሕዞ ኣሎ።
7ሓጢኣተኛታት ሰባት ስለ ምንታይ ብህይወት ዝነብሩ?
ስለ ምንታይከ ዝኣርጉ?
ብሃብቲኸ ስለ ምንታይ ዝብርትዑ?
8ዘርኦም ምስኣቶም ፀኒዑ ይነብር፤
ደቆምውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዮም።
9ኣባይቶም ብዘይ ፍርሓት ብህድኣት ይነብር፤
በትሪ እግዚኣብሄርውን የብሎምን።
10ሽደኖም ይወልድ፤ ዘርኡ ብኸንቱ ኣይድርብዮን፤
ላሕሞምውን እንተየውሃየት ትወልድ።
11ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፤
ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።
12ብኸበሮን ብኽራርን ይደርፉ፤
ብፋፃ ሻምብቆ ይሕጐሱ።
13ንዕድመኣቶምውን ብምቾት የሕልፍዎ፤
ብድንገትውን ናብ ሲኦል ይወርዱ።
14ግና ንእግዚኣብሄር “ካባና ረሓቕ፤
መንገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና፤
15ክነምልኮኸ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር መን እዩ?
ወይ ናብኡ እንተ ፀለናኸ እንታይ ክንረክብ ኢና” ይብሉ።
16እንሆ ሃብታቶም ኣብ ኢዶምዶ ኣይኮነን?
ግና ምኽሪ ሓጢኣተኛታት ካባይ ዝረሓቐት እያ።
17መብራህቲ ሓጥኣን ዝጠፍአ፥
መቕሰፍቲ እውን ዝመፆም፥
እግዚኣብሄር ድማ ብቝጥዓኡ መከራ ዝፈደዮም፥
18ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥
ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?
19ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ንበደሎም ንደቆም ይዓቝሮ” ኢልኩም ኢኹም፤
ግና ንሳቶም ምእንቲ ኽፈልጥዎ
ንባዕላቶም ይፍደዮም።
20ኣዒንቶም ጥፍኣቶም ይርአያ፤
ቍጥዓ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይስተዩ።
21ዘመን ህይወቶም ምስ ሓለፈ፥
ሰባት ብዛዕባ ደቆም ዝግደሱዶ ይመስለኩም?
22ኣብቶም ልዕል ልዕል ዝበሉ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር፥
ብሓቂ ሰብዶ ፍልጠት ይምህሮ እዩ?
23ገሊኡ ሰብ ምሉእ ሓይሊ እንተለዎ፥
ህዱእን ሕጉስን እንተሎ ይመውት፤
24ሰብነቱ ምሉእ እንተሎ፥
ኣንጕዕ ኣዕፅምቱውን ልምሉም እንተሎ ይመውት።
25ገሊኡ ሰብ ድማ ዝኾነ ሰናይ እንተይጠዓመ፥
ገና መሪርዎ እንተሎ ይመውት።
26ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሓቢሮም ይድቅሱ፤
ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም።
27እንሆ፥ ንሓሳባትኩም፥
ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝመኸርኩምዎ
ክፉእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣለኹ።
28ንስኻትኩም “ቤት እቲ ዓብዪ ሰብ ኣበይ ኣሎ?
እቲ ሓጢኣተኛታት ዝነበርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ?” ትብሉ ኣለኹም።
29ነቶም ሓለፍቲ መንገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን ኢኹም?
ነቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ምልክታቶምከ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
30እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥
ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
31ንሓጥእ ብዝኸዶ መንገዲ ዝዘልፎ መን እዩ?
ነቲ ዝሰርሖኸ ዝምልሰሉ መንዩ?
32ንእኡ ግና ናብ መቓብር ይወስድዎ፤
ሰባት ድማ ኣብ መቓብሩ ይሕልዉ።
33ንሱ ድማ መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፤
ቅድሚኡውን ቁፅሪ ዘይብሉ ህዝቢ ኸም ዝነበረ፥
ድሕሪኡ ኸዓ ዅሉ ሰብ ክስዕብ እዩ።
34ኵሉ እትምልሱለይ መልሲ ሓሰት እዩሞ፥
ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ እተፀናንዑኒ?
Currently Selected:
ኢዮብ 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in