ኢዮብ 22
22
ሳልሳይ ዝርርብ
(22፡1—27፡23)
ንስሃ ምስ ኣምላኽ ይዓርቀካ
1ድሕሪዙይ እቲ ቴማናዊ ኤሊፋዝ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ብሓቂ ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ክጠቕሞ ይኽእል እዩ?
እቲ ጥበበኛ ሰብ ንባዕሉ እዩ ዝጠቅም።
3 #
ኢዮብ 35፡6-8። ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥
ፃድቕ ምዃንካዶ ደስ የብሎ እዩ?
ንመንገድኻ ፍፁም ብምግባርካኸ ረብሓዶ ኣለዎ እዩ?
4ንእኡ ስለ ዝፈራሕኻ ይዘልፈካ ድዩ?
ናብ ፍርድኸ ምሳኻዶ ይኣቱ እዩ?
5ክፍኣትካኸ ብዙሕዶ ኣይኮነን?
ንሓጢኣትካውን መወዳእታ የብሉን።
6ካብ ኣሕዋትካ ብኸንቱ ትሕጃ ወሰድካ፤
ክዳን ዕሩቓትውን ቀንጠጥካ።
7ንፅሙእ ማይ ኣየስተኻን፥
ንጥሙይውን እንጀራ ኸላእኻ።
8ቅልፅሙ ዘበርትዐ ንምድሪ ገዝኣ፥
እቲ ኽቡር ሰብ ከዓ ዝነብረላ ኾነት።
9ንመበለታት ጥራሕ ኢደን ሰደድካየን፤
ቀላፅም ደኽታማት ተሰይሩ እዩ።
10ስለዙይ ንስኻ ብመፃወዲያ ተኸበብካ፤
ድንገተኛ ፍርሓትውን ኣናወፀካ።
11ከይትርኢ ብርሃን ፀልማት ኮነትካ፤
ብዝሒ ማያትውን ኣስጠመካ።”
12“እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይዶ ልዕል ልዕል ኣይብልን?
ከዋኽብቲውን ከመይ ልዕል ልዕል ከም ዝበሉ ተመልከት።
13ንስኻ ግና ‘እግዚኣብሄር እንታይ ይፈልጥ?
ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮይኑዶ ኽፈርድ ይኽእል እዩ?’
14ከይርኢ ፀሊም ደመና ጋሪዱዎ እዩ፤
ኣብ ዙርያ ሰማይ ይመላለስ ኢልካ ኢኻ።
15ብሓቂዶ እቶም ሓጢኣተኛታት ሰባት ብዝኸድዋ፥
ናይ ቀደም መንገዲ ኽትከይድዶ ትደሊ ኣለኻ?
16ንሳቶም ጊዜኣቶም እንተይበፅሐ ተነጠቑ፤
መሰረቶምውን ከም ፈሳሲ ማይ፥ ፈሰሰ።
17ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ካባና ረሓቕ፤
ነቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ‘እንታይ ክገብረልና ይኽእል?’ በልዎ።
18ግና ንገዛውቶም ብፅቡቕ ነገር መልኦ፤
ምኽሪ ሓጥኣን ካባይ ዝረሓቐት እያ።”
19ፃድቃን ክሪኡዎ ኢዮም፤ ደስውን ክብሎም እዩ፤
ንፁሃንውን ብንዕቐት ይስሕቕዎም።
20ብሓቂ ሃብቶም ጠፍአ፤
ንዝተረፈውን ሓዊ በልዖ።
21“ሕዚ እውን ምስኡ ተሰማማዕ፤
ሰላምውን ይሃሉኻ፤
ከምዙይ እንተ ጌርካ ፅቡቕ ክትረክብ ኢኻ።
22ካብ ኣፉውን ሕጉ ተቐበል፤
ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
23ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ተመሊስካ፥ እንተ ተዋረድካውን፥
ከምቲ ዝነበርካዮ ኸፅንዐካ እዩ፤
ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤
24ኣቕሓ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ሓመድ፥
ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ማእኸል ኣእማን ሩባ እንተ ደርበኻ፥
25ሽዑ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥
ወርቅን ዘንፀባርቕ ብሩርን ክኾነልካ እዩ።
26ሽዑ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ደስ ክብለካ እዩ፤
ገፅካውን ናብ እግዚኣብሄር ክተልዕል ኢኻ።
27ናብኡ ክትፅሊ ኢኻ፤ ንሱውን ክሰምዐካ እዩ፤
መብፅዓኻውን ክትህብ ኢኻ።
28ኵሉ ዝሓሰብካዮ ኽሰልጠካ፥
ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሀልካ እዩ።
29እንተዋረዱኻ፥ ልዕል ክትብል ኢኻ፤
ንሱ ንትሑት ሰብ የድሕኖ እዩ እሞ።
30ንንፁህ ሰብ የድሕኖ እዩ፤
ብንፅህና ኢድካውን ክትድሕን ኢኻ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in