ኢዮብ 15
15
ካልኣይ ዝርርብ
(15፡1—21፡34)
ኢዮብ ብዘረባኡ ኸም ዝተወቕሰ
1ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝኾነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ?
ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ?
3ፍረ ብዘይብሉ፥ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፥
ይከራኸረሉ እዩ?
4ንስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከንቱ ትገብሮ፤
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንፀሎት ተቃልሎ ኣለኻ።
5በደልካ ንኣፍካ ይምህሮ፤
ነዘራርባ ጐራሓት ድማ ትሓሪ ኣለኻ።
6ኣፍካ እያ እትዅንነካ ዘላ፥ ኣነ ኣይኮንኩን፤
ከናፍርካውን ኣብ ልዕሌኻ ይምስክራልካ ኣለዋ።
7ብሓቂ ብመጀመርታ ዝተወለድካ ሰብዶ ንስኻ ኢኻ?
ወይ ከዓ፥ ቅድሚ እምባታት ዲኻ ተጠኒስካ?
8ምስጢር እግዚኣብሄርከ ሰሚዕኻ ዲኻ?
ወይ ከዓ ንጥበብዶ ናይ በይንኻ ጌርካያ ኢኻ?
9ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እትፈልጦ እንታይ እዩ?
ኣባና ዘየለኸ ንስኻ እተስተብህሎ እንታይ እዩ?
10ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዝዓብዩ፥
ሰያባትን ሽማግለታትን ኣብ ማእኸልና ኣለዉ።
11እቲ ምፅንናዕ እግዚኣብሄርን፥
ነቲ ብለውሃት ንኣኻ ዝተነግረ ቓላትዶ ተናእሶ ኣለኻ?
12ልብኻኸ ንምንታይ ይወስደካ?
ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፉእ ኣጠማምታ ዝጥምታ?
13ከምዙይ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናውፃእኻ፥
ስለ ምንታይ ንመንፈስካ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ተለዓዕሎ ኣለኻ?
14ሰብ ንፁህ ክኸውን እንታይ እዩ?
ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ?
15እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንቕዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን እዩ፤
ስማያትውን ኣብ ቅድሚኡ ንፁሃት ኣይኮኑን፤
16 #
ኢዮብ 25፡4-6። እቲ ንሓጢኣት ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ግዳ፥
ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን!
17ኢዮብ፥ እስኪ ኽነግረካ፥
እቲ ዝረአኽዎውን ክገልፀልካ ስምዐኒ።
18ጠቢባን ሰባት ዝገለፁለይ፥
ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡለይ ክነግረካ ስምዐኒ።
19ንሳቶም ንበይናቶም ምድሪ ተውሂባቶም ነበረት፤
ባዕዳንውን ኣብ ማእኸሎም ኣይነበሩን።
20ክፉእ ሰብ ምሉእ ዕድሜኡ፥
ጨካን ሰብ ብቝፅሪ ዘመኑ እናተሳቐየ ይነብር።
21ዘደንግፅ ድምፂ ኣብ ኣእዛኑ ኾይኑ የድሂ፤
ደሓን ኣለኹ ኽብል እንተሎ መጥፍኢ ይመፆ።
22ሰይፊ ይፀናተዎ ኣሎ እሞ፥
ካብ ፀልማት ክመልቝ ተስፋ የብሉን።
23ከርተት እናበለ እንጀራ ይልምን፤
ንሱ ድማ መዓልቲ ፀልማት ከም ዝቐረበት ይፈልጥ።
24መከራን ጭንቀትን የፈራርሕዎ፤
ንውግእ ከም ዝተሰለፈ ንጉስ ኮይኖም የሸንፍዎ።
25ክፃረሮ ኢሉ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዝርግሕ፤
ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ።
26ብተሪር ክሳዱን ብረጒድ ዋልታኡን እናነሃረ ይመፆ።
27ብስብሒ ገፁ ሸፈነ፤
ነቲ ስብሒውን ኣብ ሕቘኡ ገበረ።
28ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፥ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፥
ንምዕናው ኣብ ዝተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩሞ።
29ንሱ ኣይህብትምን፤ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፤
ገንዘቡውን ኣብ ምድሪ ኣይስስንን እዩ።
30ንሱ ኻብ ፀልማት ኣይወፅእን፤
ብሃልሃልታ ሓዊ ጨናፍሩ ይሓርር፤
ብትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ።
31ዋጋኡ ኸንቱ ነገር ክኸውን እዩሞ፥
ንባዕሉ እናስሓተ ብኸንቱ ነገር ኣይተኣመን።
32መዓልቱ እንተይበፅሐ ጊዜኡ ይፍፀም፤
ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።
33ንሱ ኸምታ ፍሪኣ ብጕዑ ዝወደቐ ተኽሊ ወይኒ፥
ከምታ ዕምበባኣ ዝረገፈ ኦም ዘይቲ እዩ።
34ኵሉ ጉባኤ ሓጢኣተኛታት ንጥፍኣት ይኸውን፤
ንድንኳናት ተቐበልቲ ጉቦ፥ ሓዊ ይበልዖ።
35እዚኣቶም ክፍኣት ይጠንሱ፤
ጥፍኣት ድማ ይወልዱ፤
ከብዶም ከዓ ተንኰል የዳሉ።
Currently Selected:
ኢዮብ 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in