ኢዮብ 1
1
ፈተና ኢዮብ
1ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ። 2ንሱ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወሊዶሙሉ ነበሩ። 3ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
4እቶም ኣወዳት ደቁ ድማ፥ በብተራኣቶም እናተዓዳደሙ፥ ኣብ ገገዛኦም ይመስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከዓ፥ ምእንቲ ምስኣቶም ክበልዓን ክሰትያን፥ ይፅውዕወን ነበሩ። 5እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልቲታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ ኢዮብ ምናልባት ደቀይ በዲሎም ንእግዚኣብሄርውን ብልቦም ፀሪፎም ይኾኑ እናበለ ፀዊዑ ይቕድሶም ነበረ፤ ኣንጊሁ ተሲኡ ብቝፅሪ ነፍሲ ወከፎም ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፤ ኵሉ ጊዜውን ከምዙይ ይገብር ነበረ።
6ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ ኣብ ማእኸሎም መፀ። #ዘፍ. 6፡2። 7ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ድማ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ መፃእኹ” ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።
8እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
9ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን። 10ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉን ሓለኻዮ፤ ንተግባር ኢዱውን ባረኽካዮ፤ ምድሪ ዝመልኣ ጥሪት ድማ ሃብካዮ። 11እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። #ራእይ 12፡10።
12ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ።
ደቂ ኢዮብ ከም ዝሞቱን ሃብቱ ኸም ዝጠፍአን
13ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ። 14መልእኽተኛ ናብ ኢዮብ መፂኡ፥ “እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፤ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነበራ፤ 15ሽዑ ሰብ ሳባ መፂኦም ሓደጋ ኣውዲቖም ወሰድዎም፤ ነቶም ኣገልገልቲ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
16ንሱ ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ናይ እግዚኣብሄር ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፥ ነተን ጤለ በጊዕን ነቶም ኣገልገልትን ኣቃፀለቶምን በልዐቶምን። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
17ንሱውን ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ፥ “ከለዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ኾይኖም፥ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ኣብፂሖም ዘመትወን፤ ነቶም ኣገልገልቲውን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
18ንሱውን ክናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ኣወዳትካን ኣጓላትካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ። 19ሽዑ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መፂኡ፥ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ፤ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፤ ንሳቶም ከዓ ሞቱ። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
20ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 21ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22ኢዮብ በዝ ዅሉ ዝበፅሖ ኣይበደለን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይነቐፈን።
Currently Selected:
ኢዮብ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in