1
ኢዮብ 1:20-22
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ኢዮብ በዝ ዅሉ ዝበፅሖ ኣይበደለን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይነቐፈን።
Compare
Explore ኢዮብ 1:20-22
2
ኢዮብ 1:1
ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ።
Explore ኢዮብ 1:1
3
ኢዮብ 1:8
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
Explore ኢዮብ 1:8
4
ኢዮብ 1:12
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ።
Explore ኢዮብ 1:12
Home
Bible
Plans
Videos