YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 39

39
ውድቀት ኢየሩሳሌም
1ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ። 2ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።
3ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።
4ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ። 5ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ። 6ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም። 7ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ። 8እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን። 9ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 10ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።
ኤርሚያስ ከም ዝተፈትሐ
11-12ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ። 13ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥ 14ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
ንኣቢሜሌክ ዝተውሃበ ተስፋ
15ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦ 16“ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 39: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 39