YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 3

3
ጠላሚት እስራኤል
1ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር። 2ኣዒንትኺ ቋሕ ኣብሊ እሞ፥ ናብ ጫፍ ኰረብታታት ጠምቲ፤ ዘይደቀስክሉ ቦታ ኣበይ ኣሎ? ኸምቲ ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ ዝቕመጥ፥ ኣብ መንገዲ ተቐሚጥኪ ትፅበይዮም ነበርኪ፤ ብምንዝርናኽን #3፡2 ብምንዝርናኽን፦ ኣብዝ ኽፍሊ እዙይ ብዛዕባ ዝሙት ክዛረብ እንተሎ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣዖት እዩ ዘመልክት። ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ። 3ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።
4“ሕዚ ኸዓ እንሆ ‘ኣቦይን መሓዛ ንእስነተይን ንስኻ ኢኻ፤ ኢልኪዶ ትፅውዕኒ ኣየለኽን? 5ንዅልሻዕዶ ይቝጣዕ እዩ? ኽሳዕ መወዳእታውን ክቝጣዕ ድዩ?’ ትብሊ ኣለኺ፤ ግና እንሆ ኽሳዕ ዝኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።”
እስራኤልን ይሁዳን ክንስሃ ኣለወን
6 # 2 ነገ. 22፡1—23፡30፥ 2 ዜና. 34፡1—35፡27። ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት። 7እዝ ዅሉ ምስ ገበረት ከዓ ናባይ ክትምለስ እያ ኢለ ነይረ፤ ግና ኣይተመለሰትን። እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኸዓ ነዙይ ረአየት። 8ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ! 9ብቕለት ምንዝርናኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፤ ምስ እምንን ምስ ኦምን ከዓ ዘመወት። 10ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”
11ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ፥ እታ ኸዳዕ እስራኤል ዝሐሸ ፀዲቓ ተረኽበት። 12ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 13እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
14“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 15ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም። 16በቲ ዘመን እቱይ ምስ በዛሕኹምን ኣብቲ ምድሪ ኸዓ ምስ ተፋረኹምን፥ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይዛረቡን፤ ኣይሓስብዎን፥ ኣይዝክርዎን ድማ እዮም። ኣየድልዮምን እዩ፤ ከም ብሓድሽውን ኪዳን ታቦት ኣይስራሕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 17ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም። 18በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
ህዝቢ እግዚኣብሄር ጣዖት ከም ዘምለኹ
19“ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ፥
ካብ ኵሉ ዝበልፅ ምሩፅ ምድሪ ርስቲ ኣህዛብ፥
ክህበኪ እየ ኢለ ነበርኩ።
ንስኺ እውን ‘ኣቦይ’ ኢልኪ ኽትፅውዕኒ፥
ንኣይ ካብ ምኽታልውን፥
ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።”
20“ግና ኣቱም ቤት እስራኤል፥
ከምታ ንሰብኣያ እትኸድዕ ሰበይቲ፥
ጠለምኩምኒ” ይብል እግዚኣብሄር።
21መንገዶም ስለ ዘበላሾዉን፥
ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፥
ድምፂ ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል፥
ኣብ እምባታት ተሰምዐ።
22ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥
ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤
ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥
እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።
23ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥
ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤
እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤
ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥
ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።
24ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ድኻም ኣቦታትና፥
ኣባጊዖምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኣዋልድን ኣወዳትን፥
ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ።
25ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥
ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥
ንሕናን ኣቦታትናን፥
ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥
ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤
ነውርና ኸዓ የጐልብበና።

Currently Selected:

ኤርሚያስ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in