ኤርሚያስ 21
21
ትንቢት ብዛዕባ ስዕረት ኢየሩሳሌም
1-2 #
2 ነገ. 25፡1-11፥ 2 ዜና. 36፡17-21። ናይ ይሁዳ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንጳስኮር ወዲ መልክያን ነቲ ኻህን ሶፎንያስ ካህን መኣስያን “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ‘ክዋግአኩም እየ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ኾነስ፥ እስኪ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኽብልዎ ናብ ኤርሚያስ ምስ ለኣኾም፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
3ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም። 4“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ። 5#ማቴ. 23፡28፥ ሉቃ. 13፡35። ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ። 6ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንዝነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፤ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ድማ ኽሞቱ እዮም። 7ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
8ሽዑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ። 9ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ። 10ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ቤት ንጉስ ይሁዳ
11 #
2 ነገ. 23፡31-34፥ 2 ዜና. 36፡1-4። “ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ በሎም፤ 12ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 13ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥ 14ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: