YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 20

20
ባእሲ ኤርሚያስን ካህን ጳስኮርን
1ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝተነበየ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓለቓ ኾይኑ ዝተሸመ ጳስኮር፥ ወዲ ኻህን ኢሜር፥ ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ክንበ እንተሎ ሰምዐ፤ 2ጳስኮር ንነቢይ ኤርሚያስ ወቕዖ፤ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ላዕለወይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጕንዲ ኣእሰሮ። 3ንፅባሒቱ ጳስኮር ንኤርሚያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኦ፥ “ኤርሚያስውን እግዚኣብሄር ስምካ ማጎር ሚሳቢብ እምበር ጳስኮር ኢለ ኣይፅውዐካን” በሎ። 4እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ። 5ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም። 6ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ኤርሚያስ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረቦ ጥርዓን
7ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤
ኣነውን ተታለልኩ፤
ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤
ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤
ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።
8ብዝተዛረብኩ ቝፅሪ አእዊ ኣለኹ፤
“ዓመፅን ጥፍኣትን” እናበልኩ አእዊ ኣለኹ፤
ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ መዓልቲ፥
ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ።
9“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤
ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥
ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥
ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤
ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
10ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤
ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤
“ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና”
ይብሉ ኣለዉ።
ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤
“ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥
ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
11ግና እግዚኣብሄር፥
ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤
ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥
ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤
ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤
ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።
12ኣታ ንፃድቕ እትምርምር፥
ልብን ኵላሊትን እትርኢ፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ነገረይ ናባኻ ኣማዕቚበ ኣለኹ እሞ፥
ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።
13ንዝፀገማ ነፍሲ፥ ካብ ኢድ ክፉኣት፥
ኣድሒንዋ እዩ እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤
ንእግዚኣብሄር ወድስዎ።
14ዝተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፤
እታ እኖይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ።
15እቲ ነቦይ “ወዲ ተወሊዱልካ”
ኢሉ ዘበሰሮ እሞ፥
ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን።
16እቲ ሰብ እቱይ ከምተን እግዚኣብሄር፥
እንተይራህርሀ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን፤
ንግሆ ብኽያት፥ ቀትሪ ድማ ኣውያት ይስማዕ።
17እኖይ መቓብረይ ክትከውን፥
ንሓዋሩ ኸዓ ኣብ ማህፀና ኽነብርስ፥
ስለ ምንታይ ኣብ ማህፀን ወላዲተይ እንተለኹ ዘይቀተለኒ?
18 # ኢዮብ 3፡1-19። ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፥
ዘመነይውን ብሕፍረት ክውድእኸ፥
ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ?

Currently Selected:

ኤርሚያስ 20: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in