YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 19

19
ምስላ ዝተሰብረ ሳርማ
1እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ። 2#2 ነገ. 23፡10፥ ኤር. 7፡30-32፥ 32፡34-35። በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር። 3ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ። 4ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ። 5#ዘሌ. 18፡21። ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ። 6ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር። 7ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ። 8ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ። 9ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”
10ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥ 11ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 12“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ። 13ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።
14ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦ 15“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 19