YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 16

16
ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወት ኤርሚያስ
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ 2“ኣብዝ ስፍራ እዙይ ሰበይቲ ኣይተእቱ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ኣይትውለድ። 3ብዛዕባ እቶም ኣብዝ ስፍራ እዙይ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣጓላትን፥ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም እኖታትን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወለድዎም ኣቦታትን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ 4ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
5“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ። 6ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም። 7ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።
8“ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ። 9#ኤር. 7፡34፥ 25፡10፥ ራእይ 18፡23። ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።
10“እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ 11ንስኻውን ከምዙይ ክትብሎም ኢኻ፦ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ እዩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፥ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለዉ፥ 12ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን። 13ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”
ካብ ስደት ምምላስ
14ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። 15ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ክመፅእ ዘለዎ መቕፃዕቲ
16እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም። 17ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ። 18ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
ኤርሚያስ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑ ዘቕረቦ ፀሎት
19ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ። 20ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”
21ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም።

Currently Selected:

ኤርሚያስ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in