ኤርሚያስ 15
15
ፍርዲ ህዝቢ ይሁዳ
1 #
ዘፀ. 32፡11-14፥ ዘሑ. 14፡13-19፥ 1 ሳሙ. 7፡5-9። ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
2 #
ራእይ 13፡10። ‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥
‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥
ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥
ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’
ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤
ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥
ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን
ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
4 #
2 ነገ. 21፡1-16፥ 2 ዜና. 33፡1-9። ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥
ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥
ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
5“ኦ ኢየሩሳሌም፥ መን እዩ ዝርህርሀልኪ?
መንከ እዩ ዝበኽየልኪ?
ምእንቲ ድሕንነትኪ ኽጥይቕ፥
ናባኺ ዘግልስከ መን እዩ?
6ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤
ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤
ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤
ከጥፍአክውን እየ፤
ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
7ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤
ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤
ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።
8መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤
ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥
ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤
ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
9እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤
ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥
ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤
ነቶም ዝተረፉውን፥
ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤
ይብል እግዚኣብሄር።”
ጥርዓን ኤርሚያስ ናብ እግዚኣብሄር
10ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ። 11እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ። 12ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ?
13ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ። 14ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።
15ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም። 16ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ። 17ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ። 18ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።
19ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን። 20ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም። 21ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: