YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 12

12
ኤርሚያስ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጠየቐ
1“ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥
ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤
ምስ ናይ እዙይውን፥
ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥
መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?
2ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤
ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ።
ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤
ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።
3ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥
ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ።
ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥
ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።
4ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ?
ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ?
ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥
እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
5እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥
ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥
ክትቀዳደም ኢኻ?
ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥
ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥
እንታይ ክትገብር ኢኻ?
6እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥
ጠሊሞሙኻ እዮም፤
ኣፎም መሊኦም ድማ፥
ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤
ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ኸም ዝሓዘነ
7“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤
ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥
ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
8ርስተይ ኣብ ዱር ከም ዘሎ ኣንበሳ ኾይናትኒ ኣላ፤
ኣብ ልዕለይ ድምፂ ተስምዕ ኣላ፤
ስለዙይውን ፀላእኽዋ።
9ርስተይዶ ከም ዝንጕርጕር ኣሞራታት ኮይናትኒ፥
ኣሞራታትከ ኣብ ዙርያኣን፥
ኣብ ልዕሊኣንዶ ኾይኖም እዮም?
ኪዱ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኣክቡዎም፤
ክበልዑውን ኣምፅእዎም።
10ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤
ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤
ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።
11ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤
ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥
እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።
12ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥
ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤
ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥
ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥
ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።
13ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤
ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤
ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥
ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”
እግዚኣብሄር ንጐረባብቲ እስራኤል ዝሃቦ ተስፋ
14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ። 15ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ። 16ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም። 17እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

Currently Selected:

ኤርሚያስ 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 12