መሳፍንት 9
9
ኣቢሜሌክ
1ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸይዱ፥ ንኣኣቶምን ንዅሎም እቶም ዓሌት ኣቦ እኖኡን ከምዙይ በሎም፦ 2“በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም።
3እቶም ኣኮታቱ ኸዓ ዅሉ እዝ ነገርዙይ ብዛዕባኡ ኣብ እዝኒ ዅሎም ሰብ ሴኬም ተናገሩ። ንሳቶምውን “ንሱ ሓውና እዩ” ኢሎም ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ከም ዝዝምብል ገበሩ። 4ካብ ቤት በዓል በሪትውን ሰብዓ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ዝስዕብዎ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ቈፀረሉ፤ ንሳቶምውን ተኸተልዎ። 5ናብ ገዛ ኣቦኡ ናብ ኤፍራታ መፂኡ ነቶም ደቂ ጌዴዎን ሰብዓ ኣሕዋቱ፥ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሓረዶም። ኢዮኣታም እቲ ንእሽተይ ወዲ ጌዴዎን ግና፥ ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣምለጠ። 6ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ።
7ንኢዮኣታም እዙይ ምስ ነገርዎ፥ ናብ ርእሲ እምባ ገሪዛን ከይዱ ደው በለ፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ሴኬም፥ እግዚኣብሄር ክሰምዐኩምስ ስምዑኒ። 8ሓደ መዓልቲ፥ ኣእዋም ኣብ ልዕሊኣቶም ንጉስ ከንግሱ ኸዱ እሞ፥ ነውልዕ፥ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
9“እቲ ኣውሊዕ ግና ‘ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነግስስ ነቲ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝኸብሩሉ ዘይተይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
10“ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፦ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
11“እቲ በለስ ግና፥ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ክነግስ ኢለስ፥ ነቲ ጥዑምን ፅቡቕን ፍረይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
12“እቶም ኣእዋም ድማ ንወይኒ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
13“እቲ ወይኒ ኸዓ ‘ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ክብልስ፥ እቲ ንእግዚኣብሄርን ንሰባትን ዘሕጕስ ወይነይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
14“ኣብ መወዳእታ ድማ ዅሎም ኣእዋም ንዓሻዅ ቈጥቋጥ፥ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
15“እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ”
16ኢዮኣታም ከዓ ቐፂሉ “ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ንኣቢሜሌክ ዘንገስኩምዎ? ንይሩበዓልን ንቤተሰቡን ከም ግብሪ ኢዱ ዲኹም ዝፈደኹምዎ? 17ኣቦይ ምእንታኻትኩም ተዋግአ፤ ካብ ኢድ ምድያማውያን ከድሕነኩምውን ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ንምሃብ ድልዊ ነበረ። 18ንስኻትኩም ግና ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይ ተልዓልኩም። ንብሰብዓኦም ደቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተልኩምዎም፤ ሓውኩም ስለ ዝኾነ ኸዓ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ኣገልጋሊት ኣቦይ ኣብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ። 19እምበኣር በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጌዴዎንን ንገዛኡን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም ንኣቢሜሌክ እንተ ደኣ ኣንጊስኩምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ተሓጐሱ፤ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ። 20እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም።
21ኢዮኣታም ከዓ ንሓዉ ኣቢሜሌክ ስለ ዝፈርሐ ካብኡ ሃዲሙ ኸደ፤ ኣብ ብኤር ድማ ተቐመጠ።
22ኣቢሜሌክ ኣብ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ። 23ኣምላኽ ከዓ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ክፉእ መንፈስ ሰደደ እሞ ንኣቢሜሌክ ከድዕዎ። 24እዙይ ዝኾነ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ ጌዴዎን ዝተገብረ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን ምእንቲ ኽፍደ፥ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ዝደገፍዎ ሰብ ሴኬምን፥ ምእንቲ ኽቕፅዑ እዩ። 25እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ እምባታት ሕቡእ ደጀን ኣንበሩሉ። ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ሰባት ይኸትሩ ነበሩ፤ ነዙይ ድማ ኣቢሜሌክ ሰምዐ።
26ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን ድማ መፂኦም ናብ ሴኬም ኣተዉ፤ ሰብ ሴኬም ከዓ ኣብ ገዓል እምነት ኣሕደሩ። 27ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ። 28ገዓል ወዲ ኣቤድ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሕና ሰብ ሴኬም እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዜቡል ዝበሃል ሹም ዝሕግዞ ወዲ ጌዴዎንዶ ኣይኮነን? ንስኻትኩምስ ንሰብ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ። ንሕና ንኣቢሜሌክ እንታይ ኢልና ንግዝኦ? 29እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ንኣቢሜሌክ መሳጐጕክዎ ነይረ፤ በለ። ንኣቢሜሌክ ከዓ ‘ሰራዊትካ ኣብዚሕኻ ውፃእ’ በሎ።”
30ሹም እታ ኸተማ ዜቡል፥ ዘረባ ገዓል ወዲ ኣቤድ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ። 31ናብ ኣቢሜሌክ ከዓ ብምስጢር ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፦ “ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን እንሆ ናብ ሴኬም ኣትዮም ነዛ ኸተማ ኣብ ልዕሌኻ ኽትዕምፅ የለዓዕሉዋ ኣለዉ። 32ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተሲእኹም፥ ኣብ በረኻ ኣድብዩ። 33ፅባሕ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ኣውድቑላ። እንሆ ኸዓ፥ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ መፁኻ ኢድካ ኸም ዝረኸበት ግበሮም” በሎ።
34ድሕሪዙይ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብለይቲ ተሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኾይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ። 35ገዓል ወዲ ኤቤድ ድማ ወፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፤ ኣቢሜሌክ ከዓ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበየሉ ተስአ።
36ገዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ንዜቡል “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ጎቦታት ይወርዱ ኣለዉ” በሎ።
ዜቡል ከዓ “ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዝረአየካ ዘሎ ፅላሎት እምባታት እዩ” በሎ።
37ገዓል ድማ መሊሱ “እንሆ ኻብ ማእኸል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርዱ ኣለዉ፤ ሓደ ኽፍሊ ኸዓ ብመንገዲ እታ ዓባይ ኦም ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመፅእ ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ።
38ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ።
39ገዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወፀ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ። 40ኣቢሜሌክ ግና ኣሳጐጎም እሞ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። 41ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፤ ዜቡል ከዓ ንገዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ኣሳጐጎም።
42ንፅባሒቱ ኸዓ እቲ ህዝቢ ናብ ገራሁኡ ወፈረ፤ እዙይ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 43ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም። 44ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ጐይዮም ነቶም ኣብ ገራሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም። 45ኣቢሜሌክ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኸተማ ብምልእታ ተዋግኣ፤ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸዓ ጨው ዘርአላ።
46ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ቤት ኤልብሪት ኣተዉ። 47ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተኣከቡ ኣቢሜሌክ ሰምዐ። 48ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ እምባ ሰልሞን ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ብኢዱ ማሕፀ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረፀ፤ ኣልዒሉ ኸዓ ኣብ ማእገሩ ገበሮ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ከምቲ ኣነ እንትገብሮ ዝረአኹምዎ ንስኻትኩምውን ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ” በሎም። 49ስለዙይ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘረፀ፤ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ኣብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፤ ነቲ ዕርዲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ሞቱ።
50ኣቢሜሌክ ቀፂሉ ናብ ቴቤስ ከደ፤ ንኣኣ ኸዓ ኣኽቢቡ ሓዛ። 51ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ድማ ፅኑዕ ግንቢ ነበረ፤ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ናብኡ ሃደሙ፤ ኣብ ውሽጡውን ተዓፀዉ፤ ናብ ናሕሲ እቲ ግንቢ ኸዓ ደየቡ። 52ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግንቢ ቀሪቡ ተዋግአ፤ ብሓዊ ኸንድዶ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግንቢ በፅሐ። 53ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ደርብያ ናላኡ ጨፍለቐቶ። #2 ሳሙ. 11፡21።
54ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ። 55ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ነናብ ቤቶም ከዱ።
56ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ፥ ክንዲ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ገይሩ ናብኡ መለሰሉ። 57ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፥ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ኢዮኣታም ወዲ ጌዴዎን ከዓ ኣብ ረርእሶም በፅሐ።
Currently Selected:
መሳፍንት 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in