YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 4

4
ዲቦራ
1ናዖድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። 2እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ። 3ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
4ሽዑ ዲቦራ ነቢዪት ሰበይቲ ለፊዶት ኣብ እስራኤል ትፈርድ ነበረት። 5ንሳ ኸዓ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤቴልን፥ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዲቦራ ዝበሃል ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ። 6ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ። 7ኣነ ኸዓ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ ምስ ሰረገላታቱን ምስ ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ሩባ ቂሶን ስሒበ ኸምፅኦ እየ፤ ናብ ኢድካ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን?’ ” በለቶ።
8ባርቅ ድማ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፥ ክኸይድ እየ፤ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና ኣይከይድን እየ” በላ።
9ንሳ ኸዓ “ብሓቂ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፤ ግና እግዚኣብሄር ንሲሳራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኣሕሊፉ ኽህቦ እዩ እሞ፥ በዝ እትኸዶ መንገዲ ንኣኻ ኽብረት ኣይኸውንን” በለቶ። ዲቦራ ድማ ተሲኣ፥ ምስ ባርቅ ናብ ቃዴስ ከደት። 10ሽዑ ባርቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዖም፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራውን ምስኡ ደየበት።
11ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።
12ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ። 13ሽዑ ሲሳራ፥ ንዅለን እተን ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላታት ሓፂንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ትሕዝቶ ኣህዛብ ካብ ዝኾነት ካብ ኣሪሶት ናብ ሩባ ቂሶን ኣኽተተ።
14ዲቦራ ድማ ንባርቅ፥ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሳራ ናብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ ተስእ። እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ወፂኡ ኣሎ” በለቶ። ሽዑ ባርቅ፥ ምስቶም ዓሰርተ ሽሕ ሰባት፥ ካብ እምባ ታቦር ወረደ። 15እግዚኣብሄር ድማ ንሲሳራን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባርቅ ብስሕለት ሰይፊ ኣሸበሮም። ሲሳራ ኸዓ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ። 16ባርቅ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ሰራዊትን ደድሕሪኣቶም ስዒቡ ኽሳዕ ትሕዝቶ ኣህዛብ ዝኾነት ኣሪሶት ኣሳጐጎም። ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
17ሲሳራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ሃደመ። እዙይ ከዓ ኣብ መንጎ ኢያቢስ ንጉስ ሓፆርን ቤትሔቤር ቄናውን ሰላም ስለ ዝነበረ እዩ።
18ኢያዔል ድማ ንሲሳራ ኽትቅበሎ ወፂኣ፥ “ጐይታይ! እቶ፥ ኣይትፍራሕ ናባይ እቶ” በለቶ። ናብኣ ናብ ድንኳና ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ብመጐናፀፍያኣ ሸፈነቶ።
19ንሱ ድማ “ፀሚአ ኣለኹ እሞ በይዛኺ ዝሰትዮ ቝሩብ ማይ ሃብኒ” በላ። ንሳ ኸዓ ሓርቢ ፈቲሓ ፀባ ኣስተየቶ፤ ሸፈነቶውን።
20ንሱ ድማ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፤ ሰብ መፂኡ ‘ኣብዙይዶ ሰብ ኣሎ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኪ፥ የለን በሊ” በላ።
21ንሱ ድማ ደኺሙ ኸቢድ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ። ሽዑ ኢያዔል ሰበይቲ ሔቤር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ መዶሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፥ ቀስ ኢላ ናብኡ ቐረበት፤ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ፤ ንሱ ከዓ ደቂሱ ነበረሞ፥ እቲ ሽኻል ክሳዕ ምድሪ ኣተወ፤ ንሱውን ሞተ።
22እንሆ ድማ፥ ባርቅ ንሲሳራ ኸሳጕጎ እንተሎ፥ ኢያዔል ክትቅበሎ ወፂኣ “እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካ ነዓ” በለቶ። ምስ ኣተወ ድማ ሲሳራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ረኸቦ፤ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።
23በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንኢያቢስ፥ ንጉስ ከነዓን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ። 24ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ክሳዕ ዘጥፍእዎ፥ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርትዐት ከደት።

Currently Selected:

መሳፍንት 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in