መሳፍንት 3
3
1ነቶም ምስ ከነዓናውያን ዝተገብረ ውግእ ዘይፈለጡ ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ ኽፍትኖም ዘትረፎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፦ 2እዙይ ነቶም ትውልዲ ደቂ እስራኤል፥ ብፍላይ ነቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዅሎም፥ ምውጋእ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝገበሮ ጥራሕ እዩ። 3ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን። 4እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ነቦታቶም ዝኣዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝፍፅሙ እንተ ኾይኖም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ደቂ እስራኤል ክፍተኑሎም እዚኣቶም ተረፉ።
5ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ተቐመጡ። 6ኣጓላቶም ከዓ ኣንስቲ ክኾናኦም ወሰዱ፤ ንሳቶምውን ኣጓላቶም ነወዳቶም ሃቡ፤ ንኣማልኽቶምውን ኣምለኹ።
ጎቶንያል
7ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ። 8ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። 9ግና ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ፥ ንጎቶንያል ኣተስአሎም፤ ንሱ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ነበረ። 10መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ። 11እታ ምድሪ እውን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ ከዓ ሞተ።
ናዖድ
12ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸዓ፥ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ። 13ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም፤ ከይዱውን ንደቂ እስራኤል ሰዓሮም፤ ንኸተማ ተምሪውን #3፡13 ኸተማ ተምሪ፦ “ኢያሪኮ” እያ። ሓዝዋ። 14ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
15ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ። 16ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ። 17እቲ ግብሪ ንኤግሎን፥ ነቲ የመና ረጒድ ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ። 18ነቲ ግብሪ ምስ ኣቕረበ፥ ነቶም ግብሪ ፆይሮም ዝነበሩ ሰባት ኣፋነዎም። 19ናዖድ ግና ኻብታ ኣብ ጌልገላ ዘላ ትኹላት ኣእማን ዘለውዋ ስፍራ ተመሊሱ “ኦ ንጉስ! ዝነግረካ ምስጢር ኣለኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ስቕ በል” በለ። እቶም ምስ ንጉስ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከዓ ኻብኡ ወፁ።
20ናዖድውን ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰገነት ንበይኑ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ንኣኻ ዝነግረካ ናይ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብ ዙፋኑ ተስአ። 21ናዖድውን ፀጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማነይቲ ሰለፉ መዚዙ ናብ ከብዱ ሸኸለሉ። 22እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣብ ከብዱ ኣተወት፤ ብዝባኑ ኸዓ ወፀት፤ ስብሒ ስለ ዝኸደና ኸዓ ኻብ ከብዱ ኣየውፅኣን። 23ሽዑ ናዖድ ናብቲ ሰገነት ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ሰገነት ድማ ንድሕሪት ዓፅዩ ሸጐሮ።
24ናዖድ ምስ ከደ፥ እቶም ሓሻኽሩ መፁ፤ እንሆ ኸዓ መዓፁ እቲ ሰገነት ተዓፅዩ ረአዩ፤ “ምናልባሽ ኣብ ሰገነት ናብ ቤት ንፅህና ኣትዩ ይኸውን” በሉ። 25ክሳዕ ዝሓፍሩውን የመና ተፀበዩ። ነቲ ማዕፆ ሰገነት ከም ዘይኸፈቶ ምስ ረአዩ፥ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ፤ እንሆ ድማ፥ ጐይታኣቶም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኸብዎ።
26ናዖድ ግና ኽፅበዩ እንተለዉ ሃደመ፤ ናብ ማዕዶ ነቶም ዝተተኸሉ ኣእማን ሓሊፉ ናብ ዔይሮታም ኣቢሉ ድማ ኣምለጠ። 27ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ።
28ናዖድ ድማ “እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን ፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ሰዓቡኒ” በሎም። ተኸቲሎምዎ ኸዓ ወረዱ፤ ነቲ ናብ ሞኣብ ዘሳግር፥ መሳገሪ ዮርዳኖስውን ሓዝዎ፤ ሓደ ሰብ ከም ዘይሓልፍ ድማ ገበሩ። 29በታ ጊዜ እቲኣ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣኽሉ ምሩፃት ጀጋኑ ሞኣባውያን ቀተሉ። ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ኢዶም ኣየምለጠን። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ሞኣብ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደት። እታ ሃገር ከዓ ሰማንያ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
ሰሜጋር
31ብድሕሪኡ ድማ ሰሜጋር ወዲ ዓናት ተልዓለ፤ ንሱ መውግኢ ብዕራይ #3፡31 “ሽመል” ማለት እዩ። ገይሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ። ንሱውን ንእስራኤል ኣድሓኖም።
Currently Selected:
መሳፍንት 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in