መሳፍንት 2
2
መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ቦኪም
1መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ጌልገላ ናብ ቦኪም ደዪቡ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ናብታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸዓ ኣእተኹኹም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ። 2ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፤ መሰውኢታቶምውን ኣፍርሱ፥ ኢለ ኣዚዘኩም ነይረ። ንስኻትኩም ግና ንቓለይ ኣይሰማዕኹምዎን፤ ስለ ምንታይ ኢኹም እዙይ ዝገበርኩም? #ዘፀ. 34፡12-13፥ ዘዳ. 7፡2-5። 3ሕዚ ኸዓ እብለኩም ኣለኹ፤ ካብ ቅድሜኹም ኣየውፅኦምን እየ፤ ከጨንቑኹም እዮም፤ ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ክኾኑኹም እዮም በልኩ።
4እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5ነታ ቦታ ድማ ቦኪም #2፡5 ቦኪም፦ ብዕብራይስጢ “ዝበኽዩ” ማለት እዩ። ኢሎም ሰመይዋ፤ ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
ደቂ እስራኤል ብዘይ ምእዛዞም ከም ዝተስዓሩ
6ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፥ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኽወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። 7ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ።
8ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። 9ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ። #ኢያሱ 19፡49-50።
10ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ። 11ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ። 12ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ። ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ኣህዛብ ከዱ፤ ንኣኣቶምውን ሰገዱሎም። በዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። 13ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ። 14ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን። 15ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ።
16ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ዝማርኽዎም ዘድሕንዎም መራሕቲ ኣተስአሎም። 17ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን። 18እቶም ፀላእቶም ምስ ገፍዕዎምን ምስ ኣሳቐይዎምን ክቝዝሙ እንተለዉ እግዚኣብሄር ሰሚዑ ራህርሀሎም እሞ መራሕቲ ኣተስአሎም፤ እግዚኣብሄር በቲ መራሒ ገይሩ ብዅሉ ዘመን እቲ መራሒ ኻብ ኢድ ፀላእቶም የድሕኖም ነበረ። 19እቲ መራሒ ምስ ሞተ ግና፥ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣኣቶምውን ብምምላኾምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ በደሉ፤ ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መንገዶምን ኣይተመለሱን።
20ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥ 21ካብቶም ኢያሱ ኽመውት እንተሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ህዝብታት ደጊምስ ሓደ እኳ ኣይሰጕጕን እየ። 22ኣነ ድማ ንእስራኤል፥ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለውዎ፥ ብመንገደይ ብምኻድ ዝሕልዉ ወይ ዘይሕልዉ እንተ ኾይኖም በዙይ ክፍትኖም እየ።” 23ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብታ ምድሪ ኽነብሩ ሓደጎም፤ ናብ ኢድ ኢያሱውን ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን።
Currently Selected:
መሳፍንት 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: