መሳፍንት 1
1
ደቂ እስራኤል ምስቶም ዝተረፉ ከነዓናውያን ከም ዝተዋግኡ
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።
2እግዚኣብሄር ከዓ “ነገድ ይሁዳ ይደይብ፤ እንሆ፥ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ ኣለኹ” በለ።
3ደቂ ይሁዳ ኸዓ ንደቂ ስምኦን ኣሕዋቶም፥ “ምስ ከነዓናውያን ክንዋጋእስ፥ ናብቲ ብፅሒትና ንዑናይ ምሳና ኺዱ፤ ንሕና ኸዓ ናብቲ ብፅሒትኩም ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” በልዎም። ደቂ ስምኦን ድማ ምስኣቶም ከዱ።
4ደቂ ይሁዳ ድማ ደዪቦም ተዋግኡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። 5ንኣዶኒቤዜቅ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፤ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ከዓ ሰዓርዎም። 6ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሃደመ፤ ንሳቶም ድማ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፤ ዓባይቶ ኣእዳዉን ኣእጋሩንውን ቈረፅዎ።
7ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ።
8ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋጊኦም ሓዝዋ። ንህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣባርዕዋ።
9ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ከነዓናውያን ክዋግኡ ወረዱ። 10ድሕሪዙይ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ከነዓናውያን ከዱ። ኬብሮን ቀደም ቂርያት ኣርባቅ ትብሃል ነበረት። ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሜንን ድማ ቐተሉ።
11ካብኡ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ኽወግኡ ኸዱ። ዳቤር ቀደም ቂርያትሴፍር ትበሃል ነበረት። 12ካሌብ ድማ “ንቂርያትሴፍር ተዋጊኡ ዝሓዛ፥ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ። 13ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ከዓ ሓዛ። ካሌብ ድማ ዓክሳ ጓሉ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። 14ንሳ ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ንሳ ኸዓ ኻብ ኣድጊ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?” በላ።
15ንሳ ኸዓ “በረኸት ሃበኒ፤ ኣብ ደቡብ ዘሎ ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ካሌብ ድማ፥ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ። 16እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
17ብድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስ ኣሕዋቶም ደቂ ስምኦን ከዱ፤ ነቶም ኣብ ፅፋት ዝነበሩ ከነዓናውያን ተዋግእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ወቂዖም ኣጥፍእዋ። በዙይ ከዓ ሔርማ ተብሃለት። 18ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።
19እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ኣብ ኰረብታታት ዝነበሩ ኣልቀቕዎም፤ ነቶም ኣብ ለሰ ዝቕመጡ ዝነበሩ ግና፥ ሰረገላታት ሓፂን ስለ ዝነበሮም፥ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን። 20ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም። #ኢያሱ 15፡63፥ 2 ሳሙ. 5፡6፥ 1 ዜና. 11፡4። 21ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን። እቶም ኢያቡሳውያን ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ። #ኢያሱ 15፡63፥ 2 ሳሙ. 5፡6፥ 1 ዜና. 11፡4።
22ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ። 23ቤት ዮሴፍ ንቤቴል ዝስልሉ ለኣኹ። እታ ኸተማ ቐደም ሎዛ ትብሃል ነበረት። 24እቶም ሰለልቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ እንትወፅእ ሪኦም፥ “በይዛኻ፥ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፥ ሰናይ ክንገብረልካ ኢና” በልዎ። 25መእተዊ እታ ኸተማ ኸዓ ኣርኣዮም፤ ነቶም ህዝቢ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ክኸዱ ሓደግዎም። 26እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ኬጢያውያን ከይዱ ኸተማ ኣጣየሸ፤ ሎዛ ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ሎዛ ትበሃል ኣላ።
27ደቂ ምናሴ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤትሳንን ኣብ ከባቢኣን፥ ታዓናቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ዶርን ኣብ ከባቢኣን፥ ይብልዓምን ኣብ ከባቢኣን፥ መጊዶንን ኣብ ከባቢኣን፥ ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን። ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረፁ። 28ደቂ እስራኤል ምስ በርትዑ ድማ ነቶም ከነዓናውያን ኣገበርዎም፤ ካብታ ሃገር ግና ኣይሰጐጕዎምን። #ኢያሱ 17፡11-13። 29ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ። #ኢያሱ 16፡10። 30ከምኡ ድማ ደቂ ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂድሮንን ኣብ ነህሎልን ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ተቐመጡ፤ ገባራቶም ድማ ኮኑ። 31ደቂ ኣሴርውን ነቶም ኣብ ዓኮንን ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሒልባንን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ረዓብን ይነብሩ ንዝነበሩ ኣየውፅእዎምን። 32ስለ ዘይሰጐጕዎም ከዓ፥ ኣሴራውያን ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ተቐመጡ። 33ከምኡውን ደቂ ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሳምስን ኣብ ቤትዓናትን ንዝነብሩ ሰባት ኣየውፅእዎምን፤ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያን ደኣ ተቐመጡ እምበር። እቶም ኣብ ቤት ሳሚስን ኣብ ቤት ዓናትን ዝነብሩ ግና ገባራቶም ኮኑ። 34እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ኰረብታታት ከድሐርሕሩ ኣሳጐጕዎም፤ ናብ ለሰ ኸይወርዱውን ከልከልዎም። 35ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሓሬስን ኣብ ኤሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ክቕመጡ ቘረፁ፤ ግና ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፤ ኣገበረቶምውን። 36ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ።
Currently Selected:
መሳፍንት 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: