መሳፍንት 16
16
ሶምሶንን ደሊላን
1ሶምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፤ ኣብኣ ኸዓ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ ኣተወ። 2ንሰብ ጋዛ ኸዓ “ሶምሶን ኣብዙይ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ኸበብዎ፥ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ምሉእ ለይቲ ኣድብዮም ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ ምሉእ ለይቲ ሓለውዎ።
3ሶምሶን ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ተሲኡ ነቲ መዓፁ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ፈነቓቒሉ፥ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ኣደየቦ፤ ኣብኡውን ኣንበሮ።
4ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። 5እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።
6ደሊላ ድማ ንሶምሶን፦ “እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፥ ብምንታይ እንተ ኣሰሩኻኸ ትደክም? በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።
7ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፤ ከም ማንም ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።
8ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን ኣምፅኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ። 9ኣብ ውሻጠኣ ሕቡኣት ሰባት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ፥ ሓዊ ዝነኽኦ ፈትሊ ኸም ዝብተኽ፥ ብትኽትኽ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈለጠን።
10ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “እንሆ፥ ኣላጊፅካለይ፥ ነቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ሕዚ እውን ብምንታይ ከም እትእሰር፥ በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።
11ንሱ ድማ “ዝኾነ ስራሕ ብዘይ ተሰርሐሉ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ እደክም፥ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።
12ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሶምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። እቶም ሕቡኣት ሰባት ከዓ ኣብቲ ውሻጠ ነበሩ። ንሱ ግና ኻብ ቀላፅሙ ኸም ፈትሊ በተኾ።
13ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “ክሳዕ ሕዚ ኣላጊፅካለይ፤ እቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ብምንታይ ከም እትእሰር እንዶ ንገረኒ” በለቶ።
ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ፀጕሪ ርእሰይ፥ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፥ ኣብ ሽኻል ማእለማ ኸዓ እንተ ኣሰርክዮ፥ ከም ኵሉ ሰበይ ድኹም እኸውን” በላ። 14ሶምሶን ምስ ደቀሰ፥ ደሊላ ነቲ ዝተቘነነ ፀጉሪ ርእሱ ምስቲ ቕጥኒ ጐንጐነቶ፤ ኣብ ሽኻል ኣሲራ ድማ፥ “ሶምሶን! እንሆ ፍልስጥኤማውያን መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል ማእለማ ነቓቐሎ፤ ነቲ ቕጥኒ ድማ በታተኾ።
15ንሳ ኸዓ ሶምሶን “ልብኻ ምሳይ ዘየለስ ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘እፈትወኪ እየ’ እትብለኒ ዘለኻ? ሰለስተ ሻዕ ኣታሊልካኒ፤ እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን” በለቶ። 16ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።
17ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ።
18ደሊላ ድማ ዅሉ ናይ ልቡ ኸም ዝገለፀላ ምስ ፈለጠት ነቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ፥ “ኵሉ ናይ ልቡ ገሊፁለይ እዩ እሞ ሕዚ ንዑ” ኢላ ፀውዐቶም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ መፁ። 19ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ።
20“ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ።
ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
21እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ። 22ግና ምስተላፀየ ፀጕሪ ርእሱ ኸም ብሓድሽ ክበቍል ጀመረ።
ሶምሶን ከም ዝሞተ
23እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ።
24እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ።
25ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ። 26ሶምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ቘልዓ “ነቲ ኣዳራሽ ፆይሮም ዘለዉ ኣዕምዲ ሒዘ ኽፅግዖምስ በይዛኻ ናብኣቶም ኣፀግዐኒ” በሎ። 27እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ። 28ሶምሶን ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ኦ ጐይታ! በይዛኻ ዘክረኒ፤ ኣታ ኣምላኸይ፥ ንፍልስጥኤማውያን ሕዚ ሕነ እዘን ክልቲአን ኣዒንተይ ክፈድዮምስ፥ በይዛኻ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 29ሽዑ ሶምሶን ነቶም ነቲ ገዛ ዝፆሩ ኽልተ ናይ ማእኸል ኣዕምዲ፥ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሓዞ። 30ሶምሶን ድማ፦ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሕለፍ” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕምዲ ደፍኦ፤ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐ። ካብቶም ብህይወቱ እንተሎ ዝቐተሎም እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።
31ሽዑ ኣሕዋቱን ኵሎም ስድራ ኣቦኡን ወሪዶም ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን ቀበርዎ። ሶምሶን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።
Currently Selected:
መሳፍንት 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in