YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 15

15
ሶምሶን ሕኒኡ ኸም ዝፈደየ
1ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ዓፂድ ስርናይ ምስ ኮነ፥ ሶምሶን ማሕስእ ሒዙ ንሰበይቱ ኽጥይቓ ኸደ፥ “ናብ ሰበይተይ ናብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” ድማ በለ፤ ኣቦኣ ግና ኽኣቱ ኣይፈቐደሉን።
2ኣቦኣ ኸዓ “ፈፂምካ ዝፀላእኻያ መሲሉንስ ንዓርክኻ ኣመርዕየያ እየ፤ ሕዚ ግና ኽንዲ ኽንዳኣ ነታ ኻብኣ እትፅብቕ ንእሽተይ ሓፍታ ኣእትዋ” በሎ።
3ሶምሶን ከዓ “ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ፈደኽዎም፥ በደል የብለይን” በሎም። 4ሶምሶን ድማ ኸይዱ ሰለስተ ሚእቲ ውኻርያ ሓዘ፤ ከክልተ ውኻርያ ገይሩ ኸዓ ጭራ ምስ ጭራ ኣታሓሒዙ ኣሰረን፤ ኣብ ማእኸለን ኣብ መንጎ ጭራአን ድማ ሓደ ሽግ ገበረለን። 5ነቲ ሽጋት ብሓዊ ኣቃፂሉ ኸዓ ናብ ማእኸል ዝሩእ ፍልስጥኤማውያን ሰደደን፤ ኵልሳሳትን ዘይዕፁድ እኽልን ኣትክልቲ ወይንን ኣውሊዕን ከዓ ነደደ።
6ሽዑ ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። “እቲ ቲምናታዊ ሰብኣይ፥ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፥ ሶምሶን ሰብኣይ ጓሉ እዩ” ኢሎም መለሱሎም።
እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፥ ንኣኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣቃፀልዎም። 7ሶምሶን ከዓ “እምበኣር እዙይ ካብ ገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ገና ኣፀቢቐ ሕነ እንተይፈደኹ ኣይሓድገኩምን እየ” በሎም። 8ብጭከና ወቒዑ ኸዓ ወድኦም፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ተቐመጠ።
9ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፤ ንሌሒ ኸዓ ወረርዋ። 10ሰብ ይሁዳ ድማ “ስለ ምንታይ ክትዋግኡና ናባና ደየብኩም?” በልዎም።
ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም።
11ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ናብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ወረዱ፤ ንሶምሶን ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? እዝ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ?” በልዎ።
ንሱ ኸዓ “ኸምቲ ዝገበሩኒ እየ ዝገበርክዎም” በሎም።
12ንሳቶም ከዓ “ኣሲርና ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ክነሕልፈካ ኢና ዝወረድና” በልዎ።
ሶምሶን ድማ “እምበኣር ንስኻትኩም ከም ዘይትቐትሉኒ መሓሉለይ” በሎም።
13ንሳቶም ከዓ “ኣይፋልናን፥ ኣፅኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ክነሕልፈካ ኢና እምበር፥ ምቕታልስ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ኻብቲ ኰዅሒ ኣውፅእዎ። 14ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ። 15ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ።
16ሶምሶን ከዓ
“ብምንጋጋ ኣድጊ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ዀመርኩ፤
ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰባት ቀተልኩ” በለ።
17እዙይ ምስ በለ፥ ነቲ ምንጋጋ ኣድጊ ደርበዮ፥ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ #15፡17 ራማትሌሒ፦ ብዕብራይስጢ “ጎቦ ምንጋጋ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመያ።
18ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ። 19ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ #15፡19 ዓይንሃቆሬ፦ ብዕብራይስጢ “ናይቲ ዝተማህለለ ዓይኒ ማይ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመያ፤ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ። #15፡19 ግእዝ “እግዚኣብሄር ካብታ ምንጋጋ ኣድጊ ማይ ኣፈልፈለሉ” ይብል።
20ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም።

Currently Selected:

መሳፍንት 15: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in