YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 13

13
ሶምሶን ከም ዝተወልደ
1ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
2ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት። 3መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተገሊፁ ኸምዙይ በላ፦ “እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፤ ግና ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። 4እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ። 5ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።” #ዘሑ. 6፡1-5።
6ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። 7ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ።
8ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ።
9እግዚኣብሄር ድማ ቓል ማኑሄ ሰምዐ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን። 10እታ ሰበይቲ ድማ ብጕያ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “እቲ ሓደ መዓልቲ መፂኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፥ እንሆ ተገሊፁለይ” ኢላ ነገረቶ።
11ማኑሄ ኸዓ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ኸደ፤ ናብቲ ሰብኣይ መፂኡ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ፥ “እወ፥ ኣነ እየ” በሎ።
12ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
13እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ፥ ካብቲ ዅሉ ዝነገርክዋ ትጠንቀቕ። 14ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።
15ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ማሕስእ ኣዳሊና ኽሳዕ እንቕርበልካ በይዛኻ ፅናሕ” በሎ።
16እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እንተ ፀናሕኹውን ምግብኻ ኣይበልዕን እየ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርበሉ” በሎ። ማኑሄ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።
17ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ።
18እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ስመይ እትጥይቐኒ? ስመይ ‘መስተንክር’ እዩ” በሎ። #ዘፍ. 32፡30። 19ማኑሄ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ሽዑ ማኑሄን ሰበይቱን እናረአዩ እቲ መልኣኽ ተኣምራት ገበረ። 20እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ውሽጢ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። 21እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄን ንሰበይቱን ድሕሪኡ ኣይተርኣዮምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።
22ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ።
23እታ ሰበይቱ ግና “እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉውን ኣይመርአየናን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ድማ በዝ ጊዜ እዙይ ኣይመስምዐናን” በለቶ።
24እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። 25ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ።

Currently Selected:

መሳፍንት 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in