ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥ ንሳቶም “እስኪ ‘ሺቦለት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኸምኡ ኣፅርዩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል “ሲቦለት” በለ፤ ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሰብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ተቐተሉ።