YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 8

8
ወዲ ኢሳይያስ
1እግዚኣብሄር ድማ “ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ፥ ኣብኡውን ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ #8፡1 ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ፦ ዕብራይስጢ “ማኸር ሻላል ሓሽ ባዝ” ይብል። ኢልካ ብፊደል ሰብ ፀሓፍ። 2ብዛዕባኡውን ነቶም እሙናት ሰባት፥ ንካህን ኦርዮን ንዘካርያስ ወዲ በራክዩን መሰኻኽር ግበረለይ” በለኒ።
3ኣነ ኸዓ ናብታ ነቢዪት ቀረብኩ፤ ንሳውን ጠነሰት፤ ወዲ ኸዓ ወለደት። 4ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።
ንጉስ ሶርያ ንይሁዳ ኸም ዝወግእ
5መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ 6“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥ 7ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ። 8ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ። 9ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ። 10ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከም ዘጠንቀቖ
11እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ፥ ከምዙይ ተናገረኒ፤ ብመንገዲ እዝ ህዝቢ እዙይ ከይከይድ ኣጠንቀቐኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦ 12“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ። 13ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን። #1 ጴጥ. 3፡14-15።
14“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ። 15#1 ጴጥ. 2፡8። ብዙሓት ብእኡ ኽዕንቀፉን፥ ክወድቑን፥ ክስበሩን ክፍንጠሩን፥ ክተሓዙን እዮም።”
መጠንቀቕታ ነቶም መናፍስቲ ምዉታት ዝጥይቑ
16ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም። 17#ዕብ. 2፡13። ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ። 18#ዕብ. 2፡13። እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
19ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም። 20ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
እዋን መከራ
21ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም። 22ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in