ኢሳይያስ 7
7
ናብ ንጉስ ኣካዝ ዝበፅሕ መልእኽቲ
1 #
2 ነገ. 16፡5፥ 2 ዜና. 28፡5-6። ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።
2ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
3ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤ 4ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’ 5-6ሶርያን፥ ኤፍሬምን ወዲ ሮሜልዩንውን፥ ናብ ይሁዳ ንደይብ፤ ነሸብሮምውን፤ ኣፍሪስና ንእቶሞ ንወዲ ጣብኤል ኣብኣ ነንግሶ ኢሎም ክፉእ መኺሮምልካ ኣለዉ።”
7ጐይታ እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ምኽሮም ኣይፀንዕን፤ ኣይኸውንንውን። 8ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን። 9ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ።
“እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”
ኣማኑኤል ከም ዝውለድ ዝተውሃበ ምልክት
10መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 11“ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ።
12ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ።
13ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም? 14#ማቴ. 1፡23። ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል #7፡14 ድንግል፦ ብቛንቋ ግሪክ እዩ። ማቴ. 1፡23 ረአ። ብዕብራይስጢ ግና “ዓልማ” ማለት “ብፅሕቲ ጓል” እዩ ዝብል። ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ #7፡14 ኣማኑኤል፦ ብዕብራይስጢ “እግዚኣብሄር ምሳና እዩ” ማለት እዩ። ኢላ ኽትሰምዮ እያ። 15ንሱ ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ ክሳዕ ዝፈልጥ፥ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ። 16እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።”
17ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።
18“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ። 19ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።
20“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።
21“በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓንቲ በኳር ኣርሕን ክልተ ኣባጊዕን ጥራሕ የዕቢ። 22ብብዝሒ እቲ ዝህባኦ ፀባን ጠስምን ይምገብ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ዅሎም ከዓ ፀባን መዓርን ክበልዑ እዮም።
23“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዝግምቱ ሽሕ ጕንዲ ወይኒ ዘለዎ ዅሉ ስፍራታት ኣታኽልቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ጥራሕ ይኸውን። 24ኵላ እታ ምድሪ እቲኣ ብእሾዅን ብዃዂቶን ስለ እትሽፈን ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቀስትን ፍላፃን ሒዞም እዮም። 25እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዅሉ ዀረብታታት ከዓ ኻብ ፍርሒ እሾዅን ኳዂቶን ዝተልዓለ ደጊም ናብኣ ኣይትኸይድን ኢኻ፤ ግና መውፈሪ ኣብዑርን መርገፂ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in