YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 63

63
ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልቲ
1እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።” 2ስለ ምንታይ ደኣ ኽዳንካ ቐይሐ? ስለ ምንታይከ ኣልባስካ፥ ነቲ ኽዳን ረጋፅ ዘቢብ መሰለ?
3 # ራእይ 14፡20፥ 19፡15፥ 19፡13። “ኣነ በይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረገፅክዎ፤ ካብ ህዝብታት ከዓ፥ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብቝጥዓይ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ክዳውንተይ ከዓ ብደሞም ተነፅገ፤ ኣልባሰይውን ብደም ተፀየቐ። 4ዝብቀለላ መዓልቲ ኣብ ልበይ ኣላ፤ ንህዝበይ ዝብይዘወላ ዓመትውን መፂኣ እያሞ። 5#ኢሳ. 59፡16። ተመልከትኩ፤ ሓጋዚ ኸዓ ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ኣይነበረን እሞ ተገረምኩ። ስለዙይ ቅልፅመይ ድሕነት ኣምፅአለይ፤ ቍጥዓይ ከዓ ሓገዘኒ። 6#ኢሳ. 34፡5-17፥ ኤር. 49፡7-22፥ ሕዝ. 25፡12-14፥ 35፡1-15። ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዘርኣዮም ሕያዋይነት
7ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፥ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ። 8እግዚኣብሄርውን “ብርግፅ ንሳቶም ህዝበይ፥ ዘይሕስዉ ደቀይ እዮም” በለ እሞ መድሓኒኦም ኮነ። 9ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን። 10ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም።
11ሽዑ ንሱ ንናይ ቅድም ዘመንን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፤ “እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ ዘውፅኦም ሕዚ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንቕዱስ መንፈሱ፥ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ? 12#ዘፀ. 14፡21። እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ? 13እቲ ኸም ኣብ ምድረ በዳ ዝሓልፍ ፈረስ፥ ኣብ ዓሚቝ ማያት ባሕሪ ኸይተዓንቀፉ ኽሓልፉ ዝገበረ ኣበይ ኣሎ?” 14ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም።
ምሕረትን ረድኤትን ንምርካብ ዝግበር ፀሎት
15ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ። 16ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ። 17ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።
18እቲ ቕዱስ ህዝብኻ፥ ነታ ምድሪ ንሓፃር ዘመን ጥራሕ ተረስተያ፤ ሕዚ ግና ፀላእትና፥ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዋ። 19ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይገዛእኻዮም፥ ከምቶም ብስምካ ዘይፅውዑ ዄንና ኣለና።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 63: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in