ኢሳይያስ 64
64
1ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! እምባታት ኣብ ቅድሜኻ መንቀጥቀጡ። 2ስምካ ኣብ ፀላእትኻ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ከምቲ ሓዊ ንጭራሮ ዘንድዶ፥ ንማይውን ዘፍልሖ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ቐጥቀጥ ምእንቲ ኽብሉ፥ 3ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ። 4#1 ቆሮ. 2፡9። ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን። 5ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና? 6ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ። 7ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
8ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና። 9ኦ እግዚኣብሄር፥ የመና ኣይትቈጣዕ፤ በደልውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። በይዛኻ ተመልከተና፤ እንሆ ዅልና ህዝብኻ ኢና። 10ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት። 11እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስግኑላ ዝነበሩ፥ ቅድስትን ክብርትን ቤትና፥ ብሓዊ ነደደት፤ ኵሉ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን በረሰ። 12ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝ ኵሉ ኾይኑ፥ ክትዕገስ ዲኻ? ብሓቂዶ ስቕ ክትብል ኢኻ? ብዘይ መጠንዶ ኽተጨንቐና ኢኻ?
Currently Selected:
ኢሳይያስ 64: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in