YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 6

6
ኢሳይያስ ነቢይ ክኸውን ከም ዝተፀውዐ
1 # 2 ነገ. 15፡7፥ 2 ዜና. 26፡23። በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። 2ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።
3 # ራእይ 4፡8። ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥
“ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ”
ይብሉ ነበሩ።
4 # ራእይ 15፡8። ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።
5ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
6ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ። 7ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።
8ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
9ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።” 10#ማቴ. 13፡14-15፥ ማር. 4፡12፥ ሉቃ. 8፡10፥ ዮሓ. 12፡40፥ ግ.ሓ. 28፡26-27። ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።
11ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ።
ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥ 12እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ። 13ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”

Currently Selected:

ኢሳይያስ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in