YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 55

55
ምሕረት እግዚኣብሄር
1 # ራእይ 21፡6፥ 22፡17። “ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤
ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤
ዓድጉ እሞ ብልዑ።
ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥
ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
2ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥
ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ?
ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤
ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥
ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
3 # ግ.ሓ. 13፡34። “እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤
ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤
ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥
ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
4እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥
ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
5እንሆ፥ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትፅውዕ ኢኻ፤
ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥
ኣኽቢሩካ እዩሞ፥
ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥
ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።”
6ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤
ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።
7ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤
ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤
ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤
ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤
ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።
8“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥
መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን”
ይብል እግዚኣብሄር።
9ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥
መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥
ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥
ልዕል ዝበለ እዩ።
10 # 2 ቆሮ. 9፡10። “ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥
እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥
ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ፥
ዘርኢ ንዘራኢ፥ እንጀራ ንተመጋቢ፥
ከም እትህብ እንተይገበረ፥
ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥
11ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥
ከምኡ ክኸውን እዩ፤
ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤
ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥
ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
12“ብሓጐስ ክትወፁ፥ ብሰላም ድማ ኽትስነዩ ኢኹም፤
እምባታትን ኰረብታታትን፥
ቀቅድሜኹም ዕልል ክብሉልኩም፥
ኵሎም ኣእዋም በረኻውን፥
ከጣቕዑልኩም እዮም።
13ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥
ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤
እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥
ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”

Currently Selected:

ኢሳይያስ 55: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in