ኢሳይያስ 54
54
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ዘፍቅሮም
1 #
ገላ. 4፡27። “ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤
ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥
ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤
ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥
ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
2ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤
መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤
ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤
ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።
3ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤
ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤
እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥
መንበሪ ኽገብረን እዩ።
4“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤
ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤
ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤
ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥
ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ።
5ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤
ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤
እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤
ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።
6ከም ዝተንዓቐትን ዝተሓደገትን ሰበይቲ ንእስነት፥
ከምታ ብልቢ ዝሓዘነትን ዝተፀልአትን ሰበይቲ፥
እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ።
7“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤
ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።
8ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥
ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤
ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ”
ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
9 #
ዘፍ. 9፡8-17። “እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥
ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥
ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥
ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።
10እምባታት ክልዓሉ፥
ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤
ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤
ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ”
ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
ሓዳስ ኢየሩሳሌም
11“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥
ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥
እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥
ክሃንፀኪ እየ፤
ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።
12 #
ራእይ 21፡18-21። ንጕልላትኪ ብቐይሕ ዕንቍ፥
ንበርታትኪውን ብዘንፀባርቑ ኣዕናቝ፥
ንቕፅርታትኪውን ብዝኸበሩ ኣእማን ክሰርሖም እየ።”
13 #
ዮሓ. 6፡45። “ኵሎም ደቅኺ፥
ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤
ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
14ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤
ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤
ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤
ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።
15እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤
ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥
ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”
16“እንሆ፥ ብመናፍሕ ነፊሑ፥
ነቲ ሕመት ዘጕህሮ እሞ፥
ኣፅዋር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤
ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ።
17ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥
ክኸሽፍ እዩ፤
ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥
ክትረትዒ ኢኺ።
እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤
ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 54: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢሳይያስ 54
54
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ዘፍቅሮም
1 #
ገላ. 4፡27። “ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤
ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥
ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤
ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥
ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
2ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤
መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤
ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤
ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።
3ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤
ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤
እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥
መንበሪ ኽገብረን እዩ።
4“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤
ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤
ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤
ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥
ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ።
5ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤
ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤
እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤
ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።
6ከም ዝተንዓቐትን ዝተሓደገትን ሰበይቲ ንእስነት፥
ከምታ ብልቢ ዝሓዘነትን ዝተፀልአትን ሰበይቲ፥
እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ።
7“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤
ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።
8ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥
ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤
ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ”
ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
9 #
ዘፍ. 9፡8-17። “እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥
ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥
ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥
ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።
10እምባታት ክልዓሉ፥
ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤
ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤
ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ”
ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
ሓዳስ ኢየሩሳሌም
11“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥
ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥
እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥
ክሃንፀኪ እየ፤
ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።
12 #
ራእይ 21፡18-21። ንጕልላትኪ ብቐይሕ ዕንቍ፥
ንበርታትኪውን ብዘንፀባርቑ ኣዕናቝ፥
ንቕፅርታትኪውን ብዝኸበሩ ኣእማን ክሰርሖም እየ።”
13 #
ዮሓ. 6፡45። “ኵሎም ደቅኺ፥
ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤
ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
14ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤
ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤
ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤
ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።
15እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤
ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥
ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”
16“እንሆ፥ ብመናፍሕ ነፊሑ፥
ነቲ ሕመት ዘጕህሮ እሞ፥
ኣፅዋር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤
ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ።
17ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥
ክኸሽፍ እዩ፤
ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥
ክትረትዒ ኢኺ።
እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤
ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in