ኢሳይያስ 51
51
ምፅንናዕ ኢየሩሳሌም
1“ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥
ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ።
ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥
ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።
2ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥
ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ።
ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤
ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”
3“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤
ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤
ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥
ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥
ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤
ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥
ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
4“ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤
ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤
ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።
5ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤
ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤
ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤
ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥
ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።
6ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤
ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤
እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤
ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤
እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም።
ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤
ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
7“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤
ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤
ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤
ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።
8ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤
ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤
ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥
ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”
9ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥
ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤
ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥
ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል።
ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥
ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥
ንስኻዶ ኣይኮንካን?
10ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥
እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥
ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥
መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
11እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥
እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤
ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥
ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤
ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤
ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤
ነዝ መዋቲ ሰብ፥
ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥
ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?
13ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥
ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤
ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥
ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥
ትፈርሕ ኣለኻ፤
ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
14እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ እዩ፤
ኣይመውትን ናብ ጕድጓድውን ኣይወርድን፤
እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።”
15“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤
ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
16ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥
ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥
ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤
ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
መወዳእታ ስቓይ ኢየሩሳሌም
17 #
ራእይ 14፡10፥ 16፡19። ነቲ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ዝሃበኪ፥
ፅዋዕ መቕፃዕቲ ዝሰተኺ፥
ነቲ ዘስክር ሰንከልከል ዘብል ፅዋዕ፥
ዝሰተኽዮን ዝጨለጥክዮን፥
ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ።
18ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቃ፥
ሓደ እኳ ዝመርሓ የለን፤
ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቃ፥
ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የለን።
19እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፤
መንሞ ኽርህርሀልኪ እዩ?
ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ጥሜትን ሰይፍን እዮም፤
ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ?
20ውሉድኪ ደኺሞም፥
ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤
ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤
ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።
21ስለዙይ ኣቲ ውፅዕቲ፥
ብወይኒ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥
ኣቲ ዝሰኸርኪ ነዙይ ስምዒ።
22እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥
እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥
ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥
ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥
ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤
ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤
23እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥
ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥
ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤
ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 51: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in