ኢሳይያስ 50
50
1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥
ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ?
ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥
ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም?
እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥
ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤
ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
2“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ?
ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥
ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ?
ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ?
ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ?
እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤
ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤
ሰኣን ማይ ከዓ፥
ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
3ንሰማያት ብፀልማት እኸድኖ፤
መጋረዲኡውን ወጮ እገብር።”
ሳልሳይ መዝሙር ባርያ እግዚኣብሄር
4ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ።
ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤
ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።
5ጐይታ እግዚኣብሄር ንእዝነይ ከፈተለይ፤
ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን።
6 #
ማቴ. 26፡67፥ ማር. 14፡65። ዝባነይ ንገረፍቲ፥
ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤
ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥
ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።
7ጐይታ እግዚኣብሄር ስለ ዝረድአኒ ኣይተሃወኽኩን፤
ንገፀይ ከም እምኒ ኣዛሒት ገበርክዎ፤
ከም ዘይሓፍር ከዓ እፈልጥ እየ።
8እቲ ዘፅድቐኒ ኣብ ቀረባ እዩ፤
መን እዩ ዝሟገተኒ?
ብሓደ ንቑም፤
መንከ እዩ ተፃራርየይ? ናባይ ይቕረብ።
መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ።
9 #
ሮሜ 8፡33-34። እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤
ዝዅንነኒ ደኣ መን እዩ?
እንሆ፥ ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ፥
ባልዕውን ክበልዖም እዩ።
10ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥
ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥
ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ?
ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤
ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
11ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ኵልኻትኩም፥
ነበልባልውን ዝሓዝኩም፥
በቲ ሃልሃልታ ሓዊኹምን፥
በቲ ዘንደድኩምዎ ነበልባልን ኪዱ።
እምበኣር ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፤
ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 50: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in