YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 46

46
1“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤
ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ።
ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።
2ተጐምበሱ ብሓደውን ተዋረዱ፤
ነቲ ፆር ከድሕንዎ ኣይከኣሉን፤
ንርእሶምውን ተማረኹ።”
3“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥
ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥
ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥
ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
4ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤
ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤
ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤
ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።
5ብመን ትምስሉኒ ኣለኹም?
ምስ መንከ ተመዓራርዩኒ ኣለኹም?
ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም?
6ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤
ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤
ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤
ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤
ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።
7ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤
ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤
ኣብኡ ይቐውም፥
ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን።
ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን
ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።
8ነዙይ ዘክሩሞ ኣስተብህሉ፤
ኣቱም ገበነኛታት ናብ ልብኹም ተመለሱ፤
9ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤
ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤
ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
10ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥
ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥
ዝነገርኩ ኣነ እየ፤
‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤
ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’
ዝብል ኣነ እየ።
11ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥
ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥
ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤
ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
12ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።
13ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥
ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤
ድሕነት ኣብ ፅዮን፥
ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”

Currently Selected:

ኢሳይያስ 46: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in