ኢሳይያስ 31
31
እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሕልዋ እዩ
  1ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም! 2ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ። 3ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።
  4እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ። 5ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንኢየሩሳሌም ከዕቝባ እዩ፤ እወ ኸዕቝባን ከናግፋን ክከላኸለላን ከድሕናን እየ።”
  6“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ። 7በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ። 8ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም። 9ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።
      Currently Selected:
ኢሳይያስ 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: