YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 30

30
ምስ ግብፂ ዝተገብረ ኸንቱ ኪዳን
1ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ። 2ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ። 3ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ። 4እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥ 5ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።”
6ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ። 7ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”
ዘይእዘዝ ህዝቢ
8እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ። 9ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ። 10ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና። 11ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ።
12ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥ 13እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ። 14ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”
15እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም። 16እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም። 17ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም። 18እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽባርኾም እዩ
19ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ። 20እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን። 21ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን። 22ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ። 23ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን። 24እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም። 25በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም። 26በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ንኣሶር ክቐፅዓ እዩ
27እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ። 28እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ። 29ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።
30እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ። 31ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ። 32ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ። 33ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in