YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 23

23
ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር
1ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ። 2ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ብባሕሪ ዝሳገሩ ነጋዶ ሲዶና ዝመልኡኹም ፀጥ በሉ። 3ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት።
4ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ። 5ወረ ጢሮስ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ ብወረ ጢሮስ ቅልውላው ክሕዞም እዩ። 6ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ #23፡6 ተርሴስ:- 2 ዜና. መ. 9፡21 ረአ። ተሳገሩ። 7እታ ቐደም ዝተመስረተት ሕጕስቲ ኸተማ ጢሮስ እዚኣ ድያ? እታ ንብዙሓት ናብ ሰገር ባሕሪ እትሰዶም ዝነበረት ከተማ እዚኣ ድያ? 8ነታ ዘውድታት እተፅዕን ዝነበረት፥ ኣሕሉቕ ዝነጋዶኣ፥ ክቡራን ምድሪ ዝሸቃጦኣ ኸተማ ጢሮስ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝመኸረላ መን እዩ? 9ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። 10ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤ 11እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኢዱ ዘርጊሑ፥ ንመንግስታት ኣደንገፀ፤ ዕርድታት ከነዓን ክፈርስ ከዓ ኣዘዘ። 12ኣቲ እተጨነቕኪ ድንግል ሲዶና፥ ካብ ደጊም ደስ ኣይበልኪ፤ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፤ እንተ ኼድኪ ኣብኡ እውን ኣይትዓርፊን በለ። 13እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ። 14ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድታትክን ፈሪሱ እዩ እሞ ዋይ ዋይ በላ። 15በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ፥ ንዕድመ ሓደ ንጉስ ዝኣክል፥ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ ተወድኣ ግና፥ ንጢሮስ ከምዝ ዝስዕብ ደርፊ ኣመንዝራ ኽድረፈላ እዩ፦
16ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፥ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፥
ኣብ ከተማ ዙሪ፤ ኣፀቢቕኪ መሰንቆ ቓንዪ
ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።
17እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ። 18#ሕዝ. 26፡1—28፡19፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡9-10፥ ዘካ. 9፡1-4፥ ማቴ. 11፡21-22፥ ሉቃ. 10፡13-14። ግና ረብሓኣን ዝረኸበቶ ዓስብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ረብሓኣ ኣይዕቈርን ኣይቕመጥን እዩ። እኳ ደኣ በሊዖም ምእንቲ ኽፀግቡ፥ ብሉፅ ክዳንውን ክኽደኑስ፥ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 23: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in