YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 22

22
ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝተነግረ ትንቢት
1ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም? 2ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ። 3ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ። 4ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ። 5ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።
6ኤላም ምስ ሰብ ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ኮይኑ ሰገባኡ ፆረ፤ ቂርውን ዋልታኡ ቐልዐ። 7እቲ ፍርያም ለሰ ይሁዳ ብሰረገላታት መልአ፥ ፈረሰኛታት ከዓ መቖሚኦም ኣብ ኣፍ ደገ ገበሩ። 8ንዅሉ መጋረጃ ይሁዳ ቐልዐ፤
ሽዑ ናብ እንዳ ኣፅዋር፥ ናብ ቤት ዱር ተመልከትካ። 9-10እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን። 11ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።
12በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም። 13#1 ቆሮ. 15፡32። ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም። 14እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንሳምናስ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ
15ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥ 16‘ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? መቓብርካ ኣብዙይ እተውቅር፥ ንርእስኻ ኣብ በሪኽ መዕረፊ ዝኸውን ስፍራ ኣብ ኰዅሒ እተውቅርስ ኣብዙይ እንታይ ኣለካ? 17እንሆ እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣርሒቑ ኽውርውረካ፥ ኣፀቢቑ ድማ ኽዕዅልለካ እዩ። 18ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን። 19ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
20በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ። 21ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ። 22#ራእይ 3፡7። መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን። 23ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ። 24ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ። 25እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 22: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in