YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 21

21
ራእይ ብዛዕባ ውድቀት ባቢሎን
1ኣብ ጥቓ ባሕሪ ብዛዕባ ዘሎ ምድረ በዳ ዝተነግረ ፆር። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፥ ከምኡ ኻብ ምድረ በዳ፥ ካብቲ ዝፍራሕ ሃገር ወራሪ ኽመፅእ እዩ። 2ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ።
ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
3ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን። 4ልበይ ጠለመኒ፤ ብፍርሒ ኸዓ እርዕድ ኣለኹ፤ ተስፋ ዝገበርክዎ ድንግዝግዝታ ራዕዲ ኣምፅአለይ።
5ማእዲ ኣዳልዉ፥ ምንፃፍ ኣንፅፉ፥ ብልዑን ስተዩን፤ ኣቱም መሳፍንቲ ተልዓሉ፤ ዋልታኻትኩም ኣዳልዉ።
6ሽዑ እግዚኣብሄር “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፤ ዝረአዮውን ይንገር። 7በፍራስ ዝቕመጡ በብኽልተ እናኾኑ ዝኸዱ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ዝቕመጡ ምስ ረአየ፥ ብፍፁም ትግሃት ኣስተውዒሉን ተጊሁን የዳምፅ።”
8እቲ ሓላዊ ድማ ዓው ኢሉ “ጐይታይ፥ መዓልትን ለይትን እንተየቋረፅኩ ኣብታ መሐለዊት ግንቢ ተተኺለ ኣለኹ።”
9 # ራእይ 14፡2፥ 18፡2። እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።
10ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ።
ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ትንቢት
11ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ፆር። ካብ ሴይር “ኣታ ሓላዊ፥ ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ? ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ።
12እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ፤ ግና መሊሱ ኽመሲ እዩ። ክትጥይቑ እንተ ደሊኹም ከዓ ተመሊስኩም ንዑ” በለ።
ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ትንቢት
13ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤ 14ኣቱም ሰብ ቴማን፥ ነቶም ፅሙኣት ማይ ኣስትይዎም። ነቶም ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት፥ እንጀራ ሒዝኩም ተቐበልዎም። 15ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።
16ጐይታውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዕሱብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኵሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ። 17እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።”

Currently Selected:

ኢሳይያስ 21: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in