ኢሳይያስ 20
20
ዕርቃኑ ዝወፀ ነቢይ
1ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ብዝለኣኾ መሰረት፥ ኣዛዚ ሰራዊቱ ተርታን ናብ ኣዛጦን መፂኡ፥ ንኸተማ ኣዛጦን ተዋጊኡ ኣብ ዝሓዛ ዓመት፥ 2እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ። 3እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥ 4ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ። 5ንሳቶም ካብ ተስፋኦም ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ትምክሕቶም ካብ ግብፂ ዝተልዓለ፥ ክፈርሑን ክሓፍሩን እዮም። 6በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in