ኢሳይያስ 2
2
ዘለኣለማዊ ሰላም
(ሚክ. 4፡1-3)
1ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ እዙይ እዩ፦
2በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥
እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥
ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤
ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥
ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤
ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
3ሕጊ ኻብ ፅዮን፥
ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥
ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤
ብዙሓት ህዝብታት፥
“ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥
ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤
ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤
ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና”
ክብሉ እዮም።
4 #
ኢዩ. 3፡10፥ ሚክ. 4፡3። ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤
ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ።
ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥
ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥
ክሰርሕዎ እዮም።
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥
ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤
ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
5እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥
ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር
6ብናይ ምብራቕ ሰባት ክፉእ ኣመል ስለ ዝተመልኡ፥ ከም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ስለ ዝጠንቈሉ፥ ምስ ደቂ ጓናውን ስለ ዝተሓባበሩ፥ ንቤት ያእቆብ ህዝብኻ ሓደግካዮም። 7ሃገሮም ብብሩርን ብወርቅን ዝመልአት እያ፤ ንሃብታቶም ድማ መወዳእታ የብሉን። ሃገሮም ከዓ ብኣፍራስ መሊኣ እያ፤ ብዝሒ ሰረገላታቶምውን ልክዕ የብሉን። 8ሃገሮም ብጣዖታት ዝመልአት እያ፤ ነቲ በኣፃብዕቶም ዝሰርሕዎ ግብሪ ኣእዳዎም ይሰግዱ።
9እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም። 10#ራእይ 6፡15፥ 2 ተሰ. 1፡9። ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ። 11ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ። 12ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ። 13ንዅሉ ዓቢይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ንዅሉ ኣእዋም ባሳንን፥ 14ንዅሉ ነዋሕቲ እምባታትን ንዅሉ ልዕል ዝበለ ዀረብታን፥ 15ንዅሉ ነዊሕ ግምብን፥ ንዅሉ ፅኑዕ ቕፅርን፥ 16ንዅለን ነተን መራኽብ ተርሴስን #2፡16 ተርሴስ፦ 2 ዜና. መ. 9፡21 ረአ። ንዝመልክዑ ጣዖታትን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ። 17ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ። 18ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
19እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም። 20በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም። 21እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
22በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?
Currently Selected:
ኢሳይያስ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in